ስደተኛ ሬሳ
ብዛዕባ ስደት
ብዙሕ ተጻሒፉ
ብዙሕ ተገጢሙ
ብዙሕ ተደሪሱ
የማነ ባርያ
እካ
ስደተኛ ኮይነ
ኣይመርጽ ኣይምረጽ
ኢሉኮ ዘሚሩ
ዑስማን ዓብደልረሒም
ዉን
ብዘይ ሓዳር
ብዘይ አድራሻ
ኢሉኮ አምሪሩ
ሎሚ አብ
ዘመነ እስያስ
አብ ዘመነ
በለጽ
ወዲ ዓዲ
ኮይነ ኣይመርጽ ኣይምረጽ
ይጭፍለቅ ይርገጽ
ስደተኛ ኮይነ
ግን
አሎኒ አድራሻ
አብ ማእከላይ
ባሕሪ
አብ ሲና
ሳሃራ
ስሙ ዘይፍለጥ
ብቑጽሪ ዝልለ
**********
ይጉሂ ይሓምም
ይነብዕ ይበኪ
ይሓርቅ ይንድር
ብዛዕባኻ ብዛዕባኺ
እዚ ግን
እኹል ድዩ
ኣነውን ኮይነ
ኣለኹ
ናይ ሕልና
ሬሳ
Mohamed Kheir Omer 2011
No comments:
Post a Comment