Tuesday 26 February 2019

Pictures of Eritrean Assembly members 1952 - 1962

Pictures of Eritrean Assembly members 1960
صور لأعضاء الجمعية التشريعية الإرترية عام ١٩٦٠
አባላት ባይቶ ኤርትራ  1960


Pictures: Courtesy of Jelal Yassin
--------------------------------------------------------

Opening Session 28 April 1952
Picture: Courtesy of Jelal Yassin
Members of the 2nd Session of the Eritrean Assembly 1956
Picture: Almseged Tesfay Book  'Kab federetion nab Gubutan Sewra 1956-1962'
The last Session of the Eritrean Assembly after it was forced to dissolve itself and dissolve the federation between Eritrea and Ethiopia
Picture: Almseged Tesfay Book Kab federetion nab Gubutan Sewra 1956-1962'


Monday 25 February 2019

Thursday 21 February 2019

Dej. Hassen Ali Shumai Saleh (1883 – 1964): A short biography ሓጺር ታሪኽ ሂወት نبذة تاريخية مختصرة عن سيرة الدجزماتش حسن على شوماى صالح

نبذة تاريخية مختصرة عن سيرة الدجزماتش حسن على شوماى  صالح

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ሹማይ ሳልሕ

55 years ago, this day 21 February 1964, Dej. Hassen Ali Shumai Saleh, the then Vice-Mayor of Asmara passed away. He was one of the veterans of Eritrea's independence. We look back at his distinguished career through historical documents of the time.

Dejazmach Hassen Ali (1883 – 1964). He was born in 1883 in Addi Hanneso (Meraguz, Serae) in 1883. He studied at a Koranic school in his village before he moved to Asmara.  He was interested in education from early childhood and he studied and mastered Arabic, Italian, Amharic while in Asmara in addition to his mother tongue Tigrinya and was also fluent in Tigrait. He started his long and outstanding administrative and diplomatic carreer during the Italian colonial period.
Degiat Hassen worked:

-        At the Department of Posts and telegraphs (1897 – 1907);
-        As interpreter in the Massawa Regional Office (1907 – 1908);
-        As interpreter in the Department of Civil and Political Affairs (1908 – 1910);
-        As interpreter of the Italian Commission for the Demarcation of the border between Italian Somaliland and Ethiopia (1910 –1911);
-        As translator in the Italian Consulate General in Hodeida Yemen, (1911 – 1913);
-        As translator in the Italian Consulate at Jeddah Arabia, (1917 – 1917);
-        Appointed as chief interpreter in 1920.
-        He participated in the work of Mission led by J. Gasparini and sent to Yemen for conclusion of a Friendship and Commercial Treaty between Italy and Yemen (1926);
-        He accompanied a committee led by Seiyf al-Islam Mohammed of Yemen in its visit to the King of Italy in Rome in 1929
-        He was a member a mission sent to Assir (1932).
-        The Department of Civil and Political Affairs as Chief Notable from    1932 – 1937:
-        He was in mission in Italy in 1938, and in 1940
-        Chief of Quarter 2 Office in Asmara 1939 - 1952.
-        From 1952 to the date of his death, he served as Deputy Mayor of the Municipality of Asmara

He was one of the founders of ‘Mahber Fikri Hager’ in 1941 and after the failure of Waala Bet Ghiorghis in 1946, he became one of the founders and prominent leaders and intellectuals of the Muslim League that called for the independence of Eritrea.

He played an important role to convince Sheikh Ibrahim Al Mukhtar who was in Cairo to return to Eritrea to take the position of Grand Mufti. The Italians appointed appointed Al Mukhtar as Grand Mufti of Eritrea in December 4, 1939 and he returned to Eritrea in April 1949 after 15 years staying abroad. As a prominent leader for the independence of Eritrea he was a target to be eliminated by the Unionist Party. The Unionist thugs attempted to assasinate him by throwing grenades at his house twice in 1947, one in July and one in September, but he survived those attempts.

In the innaguration of the first issue of the Muslim League’s newspaper, “Sawat Al-Rabita Al Islamiya” in February 1947, Dej. Hassen Ali, contributed a piece and wrote, “Besides building solidarity with Muslims around the world, the newaletter will be used for Strengthening the bilateral understanding between our Christian brothers with whom we are connected in our national interest and economic and social responsibilities. “

He was bestowed with titles and medals for his distinguished career, among which were a Commander of the Hashimite Order bestowed by the King of Hijaz (1922), Dejazmach (1936) and Commander of the Star of Italy (1939).

He was a highly regarded, respected, humble person. He passed away on 21st February 1964. He was given a public funeral attended by government officials, dignitaries and the public and his funeral was accompanied by the Asmara Municipality Musical Band.

Fato, Ali, Siedi, Meriem, and Yusuf are the Children of Degiat Hassen. Engineer Yusuf Hassen Ali, his youngest son is living in Sweden with his family. Minister Amina Nurhussein is a grand daugheter, Sabrina Jamil Aman and Salma Hassen the ex-minister are great-grand daughters, of Degiat Hassen.

Source: Chi è? dell' Eritrea, 1952 : dizionario biografico, con una cronologia by Puglisi, Giuseppe and other sources
--------------------------------------------
Thanks to Jelal Yassin for honouring Dej. Hassen Ali and for providing me with the historical references
------------------------------------------------------------


ሓጺር ታሪኽ ሂወት ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ሹማይ ሳልሕ (1883- 1964)

ቅድሚ 55 ዓመት ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት ማለት 21 ለካቲት 1964 ምክትል ኣመሓዳሪ ከተማ ኣስመራ ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ሹማይ ሳልሕ ዓሪፎም። ንሶም ሓደ ካብቶም ምኩራት ተቓለስቲ ንናጽነት ኤርትራ ነበሩ። ኣብቲ ናይቲ ግዜ ታሪኻዊ ሰነዳት ተመርኲስና ንዝገበርዎ ዓቢ ሞያዊ ኣበርክቶ ክንርኢ ንኽእል።

ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ (1883-1964) ። ንሶም ብ1883 ኣብ ዓዲ ሓንሶም (መራጉዝ ሰራየ) ተወለዱ። ቅድሚ ናብ ኣስመራ ምግዓዞም ድማ ኣብ ዓዶም ናይ ቁርኣን ትምህርቲ ተማሃሩ። ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ናይ ትምህርቲ ተገዳስነት ስለዝነበሮም ድማ ኣብ ርእሲ ቋንቋ ኣደኦም ትግርኛ ቋንቋታት ዓረብኛ፡ ጣልያንኛን ኣምሓርኛን ተማሂሮም ክመልኩን ከኣሉ። ብዘይካ’ዚ ጽቡቕ ዝኾነ ምልከት ናይ ቋንቋ ትግረ’ውን ነበሮም። ነቲ ነዊሕን ዝነኣድን ናይ ምሕደራን ዲፕሎማስን ስርሖም ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ጀመርዎ።

ደጃዝማች ሓሰን ዝሰርሕዎ፡

Ø ኣብ ጨንፈር ጶስጣን ተለግራፍን (1897-1907)
Ø ከም ተርጓማይ ኣብ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ምጽዋዕ (1907-1908)
Ø ከም ተርጓማይ ኣብ ጨንፈር ሲቪላውን ፖለቲካውን ጉዳያት(1908-1910)
Ø ከም ተርጓማይ ኣብ ኮምሽን ኢጣልያ ንምምልካት ዶብ ኣብ መንጎ ናይ ኢጣልያ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን (1910-1911)
Ø ከም ተርጓማይ ኣብ ቆንስል ኢጣልያ ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብያ (1917-1917)
Ø ከም ሓላፊ ተርጓማይ ተመዘዙ (1920)
Ø  ብጀይ ጋስፓሪኒ ተመሪሑ ምሕዝነታውን ንግዳውን ስምምዕ ኣብ መንጎ ጥልያንን የመንን ንምክያድ ምስ ዝኸደ ልኡኽ ጉጅለ ተሳተፉ (1926)
Ø ብሰይፍ ኣልኢስላም መሓመድ ናይ የመን ዝተመርሐ ኮሚተ ኣሰንዮም ንዑደት ናብ ንጉስ ጥልያን ናብ ሮማ ከዱ (1929)
Ø ኣባል ናይ ናብ ኣሲር ዝተላእከት ጉጅለ ነበሩ (1932)
Ø ኣብ ጨንፈር ሲቪላውን ፖለቲካውን ጉዳያት ወሳኒ መራሒ (1932-1937)
Ø ኣብ 1938 ከምኡ’ውን 1940 ናብ ጥልያን ተላእኹ
Ø ሓላፊ ምምሕዳር ናይ ካልኣይ ክፋል ኣስመራ (1939-1952)
Ø ካብ 1952 ክሳብ እዋን ዕረፍቶም ናይ ከተማ ኣስመራ ምክትል ኣመሓዳሪ ብምዃን ኣገልገሉ

ንሶም ብ1941 ሓደ ካብቶም መስረትቲ ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ነበሩ። ድሕሪ ምፍሻል ዋዕላ ቤት ገርግሽ ኣብ 1946 ድማ ሓደ ካብቶም መስረትትን ዓበይቲ ምሁራት መራሕትን ናይታ ንናጽነት ኤርትራ ትጽውዕ ዝነበረት ሙስሊም ሊግ ነበሩ።

ብተወሳኺ ነቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ካይሮ ዝነበረ ሸኽ ኢብራሂም ኣልሙኽታር ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ብጣልያን ብታሕሳስ 1939 ዝተዋህቦ ናይ ጠቕላሊ ሙፍቲ ቦታ ክሕዝ ኣብ ምእማኑ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቶም እዮም።  ጥልያን ንኣልሙኽታር ብ4 ታሕሳስ 1939 ከም ጠቕላሊ ሙፍቲ ኤርትራ ድሕሪ ምስያሞም ድሕሪ ናይ 15 ዓመታት ስደት ናብ ሃገሩ ብሚያዝያ 1940 ተመልሰ። ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ከም ዓቢ ንናጽነት ኤርትራ ዝድግፉ መራሒ መጠን ንምእላዮም ብማሕበር ኣንድነት ኣብ ታርጌት ኣትዮም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣንድነታውያን ክልተ ግዜ ማለት ሓደ ኣብ ሓምለ ሓደ’ውን ኣብ መስከረም 1947 ንምቕታሎም ኣብ ገዝኦም ተተኳሲ ብምድርባይ ፈተነታት ኣካዪዶም ነበሩ። እንተኾነ ግን ደሓኑ።

ኣብ መመረቕታ ቀዳመይቲ ሕታም ጋዜጣ ሙስሊም ሊግ ”ሰውት ኣልራቢጣ ኣልኢስላምያ” ኣብ ለካቲት 1947 ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ኣብ ዝጸሓፍዋ ጽሕፍቲ ከምዚ ይብሉ፡ “እዛ ጋዜጣ ብዘይካ ምህናጽ ምሕዝነት ምስ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኣስላም ንምሕያል ክልተኣዊ መረዳእታ ኣብ መንጎ እቶም ብሃገራዊ ረብሓታትን ብቁጠባውን ማሕበራውን ሓላፍነታት ምሳና ዝተኣሳሰሩ ኣሕዋትና ክርስያን’ውን ከተገልግል እያ።”

ነቲ ዓቢ ስርሖም ናይ ክብሪ መዓርጋትን መዳልያታትን ተበርከተሎም። ገለ ካብኡ ኮማንደር ናይ ስርዓት ሃሽማይት ዝብል ክብሪ ካብ ንጉስ ሒጃዝ (1922) ፡ ደጃዝማች (1936) ከምኡ’ውን ኮማንደር ኮኾብ ናይ ኢጣልያ (1939) ክጥቀሱ ይከኣሉ።

ደጃዝማች ሓሰን ዓቢ ዝናን ክብርን ዝነበሮምን ትሑትን ሰብ ነበሩ። ብ21 ለካቲት 1964 ድማ ዓረፉ። ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ድማ ሰበስልጣን መንግስትን፡ መኳንንትን ህዝብን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብሙዚቃዊ ባንድ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ተሰንዩ ተፈጸመ።

ደጊያት ሓሰን ፋጦ፡ ዓሊ፡ ስዕዲ፡ መርየምን ዩሱፍን ዝተባህሉ ዉሉዳት ኣለውዎ። እቲ ዝነኣሰ ውሉዱ ማለት ኢንጂነር ዩሱፍ ሓሰን ዓሊ ምስ ስድራ-ቤቱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ስዊድን ይቕመጥ ኣሎ። ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን ውላድ ውላዶም ክትከውን እንከላ፡ ሳብሪና ጀሚል ኣማንን ሚኒስተር ነበር ሳልማ ሓሰንን ድማ ደቂ ውላድ ውላዶም ንደጊያት ሓሰን እየን።

ምንጪ፣ Chi è? dell' Eritrea, 1952 : dizionario biografico, con una cronologia by Puglisi, Giuseppe and other sources

ምስጋና ንጀላል ያሲን ንደጊያት ሓሰን ዓሊ ዝሃቦም ክብርን ንዝሃበኒ ታሪኻዊ መወከሲታትን


 -----------------------------------------------------------------------
ምንጪ፡ጋዜጣ ሕብረት 1964

ቅድሚ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ልክዕ ከምዛ መዓልቲ እዚኣ ምክትል ከንቲባ (ኣመሓዳሪ) ከተማ ኣስመራ ዝነበሩ ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ዓሪፎም። ብምሸቱ ከኣ ዜና ዕረፍቶም ናብ ከተማ ኣስመራን ናብ ኩሉ ወገናት ኤርትራን ምስ ተነግረ ብትግሃቶምን ሕያውነቶምን ኩሉ ፈታዊኦም ኣልቀሰሎም። ከምቲ ዝተመደበ ፍርቂ መዓልቲ ሰንበት ስነ-ስርዓተ ቀብሮም ኣብ ዝተፈጸመሉ ኣጋጣሚ ከኣ ካብ ኩሉ ወገናት ኤርትራን ከተማ ኣስመራን ማእለያ ዘይብሉ ቀባራይ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ዝተኻፈልሉ ተፈጸመ። ሬስኦም ካብ ቤቶም ብበተሰቦምን ፈተውቶምን ተሰንዩ ናብ መቕብር ክሳብ ዝበጽሕ ሙዚቀኛታት ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ በብዓይነቱ ናይ ሓዘን ሙዚቃ እናዘየሙ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ዓጀብዎም። ኣብ ቀብሮም ካብ ዝተኻፈለ ብዙሕ ህዝብን መራሕትን ድማ፡ ፊተውራሪ ተስፋሃንስ በርሀ ናይ ኤርትራ ጠቕላይ ግዝኣት ምክትል እንደራሴ፡ ከንቲባ ሓረጎት ኣባይ ናይ ከተማ ኣስመራ ከንቲባ፡ ፊተውራሪ ዓሊ ሙሳ ረድኣይ፡ ደጃዝማች ሓምድ ፈረጅ ሓምድ፡ ብሪጋደር ጀነራል ዘርአማርያም ኣዛዚ፡ ዳይረክተራትን ኣውራጃ ገዛእትን መኮንናትን ነበሩ።

ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ብ1878 ኣብ ዓዲ ሓንሶም መራጉዝ ተወለዱ። ብንእሽትኦም ከለዉ ድማ ኣብ ዓዶም ናይ ቁርኣን ትምህርቲ ብትግሃት ተማሃሩ። ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ናይ ትምህርቲ ጥቕሚ ኣጸቢቖም ዘስተዕሉን ዝርድኡን ስለዝነበሩ ድማ ካብ ዓዶም ናብ ኣስመራ መጺኦም ትምህርቲ ጀመሩ። ኣብ 1897 ኣብ ጶስጣ ስራሕ ጀሚሮም። ምሸታዊ እናተማህሩ ድማ ቋንቋታት ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ጣልያንኛን ዓረብኛን ኣጠናቒቖም ክመሃሩን ክመልኩን ከኣሉ። ብዘይካ’ዚ ጽቡቕ ዝኾነ ምልከት ናይ ቋንቋ ትግረ’ውን ነበሮም። ንትምህርቶም ዝበቅዕ ኮይኑ ብዝተረኽበ ከኣ ኣብ ምጽዋዕ (1907-1908) ከም ተርጓማይ ተቖጺሮም ኣብ ኣውራጃ ግዝኣት ብህዝብን ሓለፍቶምን እተመስገነ፡ ትግሃትን ክእለትን ዝመልኦ ኣገልግሎት ፈጸሙ። ብ1908 ድማ ካብ ምጽዋዕ ናብ ዋና መደበር ምምሕዳር ኣብ ኣስመራ ተቐየሩ። ካብ 1932-1937 ኣብ ዝነበረ እዋን ብመሪሕነት ኣብ ጨንፈር ሲቪላውን ፖለቲካውን ጉዳያት ሰርሑ። ብድሕር’ዚ ካብ 1939 ክሳብ 1953 ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ካልኣይ ክፍሊ ኣስመራ ምስሌነ ተሸሙ። ካብ 1953 ክሳብ 1956 ድማ ኣመሓዳሪ ወረዳ ከተማ ኣስመራ ተሸይሞም ከምሓድሩ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ወርሒ ሓምለ 1956 ክሳብ እዋን ዕረፍቶም ናይ ከተማ ኣስመራ ምክትል ከንቲባ ተሸይሞም ብእምነት ኣገልግሎቶም ፈጸሙ ።

ዝኸበሩ ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ብዘይካ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም በብግዜኡ ናብ ዓዲ ጥልያን (1938 &1940) ፡ ሕጃዝ የመን፡ ስዑዲ ዓረብያ እናኸዱ ክርእዩን ክዕዘቡን ስለዝኸኣሉ ዓቢ ናይ ምምሕዳር ፍልጠትን ልምድን ክድልቡ ክኢሎም እዮም። ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘገልገልዎ ክዝከር ከሎ፡ ኣብ ኮሚሽን ምምልካት ዶብ ኣብ መንጎ ናይ ኢጣልያ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን (1910-1911) ከም ተርጓማይ ኣገልገሉ። ከምኡ’ውን ኣብ ቆንስል ኢጣልያ ኣብ ሑደይዳ የመንን(1911-1913)፡ ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብያን (1917) ከም ተርጓማይ ሰርሑ። ኣብ 1926 ብጀይ ጋስፓሪኒ ተመሪሑ ምሕዝነታውን ንግዳውን ስምምዕ ኣብ መንጎ ጥልያንን የመንን ንምክያድ ምስ ዝኸደ ልኡኽ ጉጅለ ተሳቲፎም ነይሮም። ብ1929 ብሰይፍ ኣልኢስላም መሓመድ ናይ የመን ዝተመርሐ ኮሚተ ኣሰንዮም ንዑደት ናብ ንጉስ ጥልያን ናብ ሮማ ከይዶም ነበሩ። ብተወሳኺ ኣብ 1932 ኣባል ናብ ኣሲር ናይ ዝተላእከ ልኡኽ ነበሩ። ከምኡ’ውን ደጃዝማች ሓሰን ብ1913 ኣብ ሕጃዝ የመን ናይ ቆንስል ጸሓፊ ኮይኖም ኣገልገሉ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ናይ ትርጉም ስርሖም ስለ እተመስገኑን እተናእዱን ንጉስ ሑሴን ናይ ሕጃዝ ክብ ዝበለ (ኮማንደር ናይ ስርዓት ሃሺማይት) ንሻን ሸለምዎም (1922) ።ብ1962 ከኣ ግርማዊ ንጉስ ነገስት ቀደማዊ ሃይለስላሰ ብዝፈጸምዎ ኣገልግሎት ናይ ኢትዮጵያ ናይ ክብሪ ኮኾብ ኣዛዥ መኮንን (ኮማንደር) ኒሻን ሸለምዎም። ኣብ ርእስ’ዚ ኣብ 1936 ናይ ደጃዝማች መዓርጎም ክወሃቡ ከለዉ ኣብ 1939 ድማ ናይ ጥልያን ኮማንደር ኮኾብ ክስለሙ በቒዖም እዮም።ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ብ1941 ሓደ ካብቶም መስረትቲ ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ነበሩ። 

ድሕሪ ምፍሻል ዋዕላ ቤት ገርግሽ ኣብ 1946 ድማ ሓደ ካብቶም መስረትትን ዓበይቲ ምሁራት መራሕትን ናይታ ንናጽነት ኤርትራ ትጽውዕ ዝነበረት ሙስሊም ሊግ ነበሩ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ካይሮ ዝነበረ ሸኽ ኢብራሂም ኣልሙኽታር ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ብጣልያን ብታሕሳስ 1939 ዝተዋህቦ ናይ ጠቕላሊ ሙፍቲ ቦታ ክሕዝ ኣብ ምእማኑ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቶም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ሙፍቲ ኢብራሂም ኣልሙኽታር ድሕሪ ናይ 15 ዓመታት ስደት ናብ ሃገሩ ብሚያዝያ 1940 ተመሊሱ ሃይማኖታዊ መንገዲ ሕብረተሰቡ ኣብ ምስትኽኻል ኣበርከተ።ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ከም ዓቢ ንናጽነት ኤርትራ ዝድግፉ መራሒ መጠን ንምእላዮም ብማሕበር ኣንድነት ኣብ ታርጌት ኣትዮም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣንድነታውያን ክልተ ግዜ ማለት ሓደ ኣብ ሓምለ ሓደ’ውን ኣብ መስከረም 1947 ንምቕታሎም ኣብ ገዝኦም ተተኳሲ ብምድርባይ ፈተነታት ኣካዪዶም ነበሩ። እንተኾነ ግን ደሓኑ።

ኣብ መመረቕታ ቀዳመይቲ ሕታም ጋዜጣ ሙስሊም ሊግ ”ሰውት ኣልራቢጣ ኣልኢስላምያ” ኣብ ለካቲት 1947 ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ኣብ ዝጸሓፍዋ ጽሕፍቲ ከምዚ ይብሉ፡ “እዛ ጋዜጣ ብዘይካ ምህናጽ ምሕዝነት ምስ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኣስላም ንምሕያል ክልተኣዊ መረዳእታ ኣብ መንጎ እቶም ብሃገራዊ ረብሓታትን ብቁጠባውን ማሕበራውን ሓላፍነታት ምሳና ዝተኣሳሰሩ ኣሕዋትና ክርስያን’ውን ከተገልግል እያ።”ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ምስ ዓብን ንእሽቶን እናተሰማምዑ ትግሃትን ሕያውነትን ናይ ምምሕዳር ብስለትን እናርኣዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ምሕደራውን ዲፕሎማስያውን ጽፍሕታት ብዘይ ምቁራጽ ን67 ዓመት ድሕሪ ምግልጋሎም ኣብ መበል 86 ዓመቶም ብሰላም ዓረፉ።ደጃዝማት ሓሰን ፋጦ፡ ዓሊ፡ ስዕዲ፡ መርየምን ዩሱፍን ዝተባህሉ ዉሉዳት ኣለውዎ። እቲ ዝነኣሰ ውሉዱ ማለት ኢንጂነር ዩሱፍ ሓሰን ዓሊ ምስ ስድራ ቤቱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ስዊድን ይቕመጥ ኣሎ። ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን ውላድ ውላዶም ክትከውን እንከላ፡ ሳብሪና ጀሚል ኣማንን ሚኒስተር ነበር ሳልማ ሓሰንን ድማ ደቂ ውላድ ውላዶም ንደጃዝማት ሓሰን እየን።

ምንጪ፡ጋዜጣ ሕብረት 1964
----------------------------------------

ሸሞንተ ደቂ ደገዝማቲ ሐሰን ዓሊ።(ካብ ሒመኦም አደይ ስቲ ዝውለዱ)
1. ነፍስሄር ፊተውራሪ ዓሊ ሐሰን (አቦ መሐመድ ዓሊ)
2. ነፍስሄር ራድያ ሐሰን (አደ ዘምዘም መሐመድ፥ ሩማና ዓብደላ፥ አሚና ዓብደላ፥ ሶፍያ ዓብደላ
3. ነፍስሄር ፋጦ ሐሰን (አደ ግራዝማች አሕመድ ሙሳ ሳዲቅ)
4. ነፍስሄር ስዕዲ ሐሰን ( ሸውዓተ ደቃ ካብአቶም ሐንቲ አሚና ኑርሒሰን ናይ ኤርትራ ናይ ጥዕና ምኒስተር)
5. ነፍስሄር ግራዝማች ዓብዱ (ቀዳማይ ፍሉጥ ሰኣሊ ኤርትራዊ (artist) - ሐደ ወዱ ናይ ጀብሃ ተጋዳላይ ዝነበረ ስዉእ መሐመድ ዓብዱ)

(ካብ ዑትማና ዓብደላ መንሱር ዝውለድ - ዓባዩ በዲኡ ንፈናን ዑስማን ዓብደረሒም)
6. ነፍስሄር ሳልሕ ሐሰን

ካብ መጨረሽታ በዓልቲ በይቶም ነፍስሄር ሓሎ ሱልጣን ዝውለዱ)
7. መርየም ሐሰን (ተቀማጢት አብ ኢቶዮጵያ)
8. ኢንጅነር ዩሱፍ ሐሰን ( ተቀማጢ ሽወደን ምስ ብዓልቲ በይቱ ዛህራ ዓብዱራሕማን ደቁ ዕሳምን ራምን)
----------------------------------------------------------------------------------
نبذة تاريخية مختصرة عن سيرة الدجزماتش حسن على شوماى  صالح  (1883 -1964م)

فى مثل هذا اليوم  21 فبراير 1964م  اى قبل 55 عاما انتقل الى الرفيق الاعلى  الدجزماتش حسن على شوماى صالح .الذى كان يشغل منصب نائب عمدة مدينة اسمرا .

والدجزماتش حسن  يعتبر  احد ابرز  المناضلين المحنكين من اجل استقلال ارتريا ، وتشير الوثائق التاريخية المتعلقة بتلك الفترة الى ان هذه الرجل كانت له اسهامات وانجازات كبرى فى مجال عمله .
ولد الدجزماتش حسن على فى عام 1883م  فى  بلدته  قرية "حنسوم" بمنطقة "مراقوز" التابعة لاقليم سراى ' وقبل ان ينتقل الى الى اسمرا  تلقى هناك  تعليمه الدينى حيث حفظ القرآن كما هى العادة هناك ، وقد اظهر  الدجزماتش حسن منذ صغره شغفا كبيرا بحب التعليم  وتمكن خلال وقت قصير  بعد انتقاله الى اسمرا من تعلم واجادة اللغة العربية والايطالية والامهرية وذلك فضلا عن لغته الام اللغة التجرينية ، كما انه كان يجيد التحدث بلغة التجرى على نحو جيد للغاية .
عقب ذلك تمكن الدجزماتش خلال حقبة الاحتلال الايطالى من تطوير وابراز قدراته الادارية والدبلوماسية ، حيث اقتحم العمل فى هذا المجال منذ تلك الحقبة .

☆ ابرز محطات الحياة الوظيفية للدجزماتش حسن على :- 
- عمل بفرع مصلحة البريد والتلغراف  (البوست ) خلال الفترة 1897 - 1907م.
- عمل مترجما فى المكتب الاقليمى بمصوع لمدة عام ( 1907 -1908م.) .
- عمل مترجما بقسم الشؤون المدنية والسياسية  (1908 - 1910م  ).

- عمل مترجما فى المفوضية الايطالية  لترسيم الحدود بين الصومال الايطالى واثيوبيا  ( 1910 -1911م ).
- عمل مترجما بالقنصلية الايطالية بمدينة جدة بالمملكة العربية السعودية (  1917 -1917م ) .
- فى عام 1920م تم تعيينه كمسؤول عن قسم الترجمة .

- شارك ضمن وفد الادارة الاستعمارية الايطالية الحكومى بقيادة الجنرال الايطالى الشهير قرازسيانى الذى سافر الى اليمن لاجراء محادثات وتوقيع اتفاقيات تجارية مع اليمن  ( 1926م )  .
- رافق الوفد اليمنى برئاسة سيف الاسلام محمد الذى سافر لمقابلة الملك الايطالى فى روما   (  1929م ).
- سافر فى عام  1932م  كعضو فى الوفد الايطالى الى منطقة عسير ( تتبع المملكة العربية السعودية حاليا  ).
- اصبح المسؤول الرئيسى لقسم الشؤون المدنية والسياسية 
(  1937- 1932  )
- فى عامى 1938  و1940 م ابتعث غلى الى ايطاليا .

- اصبح مسؤول القسم الثانى لمدينة اسمرا  (  1939 -1952م ) .

- عمل منذ 1952م وحتى يوم وفاته  فى فبراير 1964م نائبا لعمدة مدينة اسمرا .

☆ دوره السياسى
- كان الدجزماتش حسن على احد اوائل مؤسسى جمعية حب الوطن فى عام 1941م عقب هزيمة الجيش الايطال  واحتلال البريطانيين لارتريا فى ذلك العام .
- بعد اختراق اثيوبيا لجمعية حب الوطن وتعرضها للانشقاق فى عام 1946م  اصبح الدجزماتش حسن احد ابرز المثقفين والقادة  المؤسسين لحزب الرابطة الاسلامية الذى كان يطالب ياستقلال ارتريا . 

- اضافة الى ذلك لعب الدجزماتش حسن على  دورا كبيرا فى اقناع الشيخ ابراهيم المختار الذى كان يعيش فى القاهرة بالقدوم الى ارتريا    وقبول منصب مفتى الديار الارترية الذى منحه له غلايطاليون فى ديسمبر1939م  ، وقد عاد الشيخ ابراهيم المختار الى وطنه ارتريا فى ابريل  1940م بعد غيبة 15 عاما فى المهجر ..
- نظرا لدوره الكبير  فى صفوف دعاة الاستقلال اصبح الدجزماتش هدفا رئيسيا  لتصفيات لحزب اندنت الانضمامى  ، زمتيجة لذلك تعرض الدجزماتش حسن غلى لمحاولتى اغتيال خلال وقت قصير  من عام 1947م حيث القى انصار حزب الاندنت فى شهرى يوليو وسبتمبر  من العام المذكور  القنابل داخل منزل  الدجزماتش حسن على ولحسن الحظ نجا الدجزماتش حسن ولم يصب فى كلا المحاولتين..
- يقول الدجزماتش حسن على فى المقال الذى نشره  فى صحيفة صوت الرابطة الاسلامية بمناسبة صدور العدد الاول منها ما يلى  :".... اضافة الى دور هذه الصحيفة فى تقوية الروابط  والاخوة مع كل المسلمين فى كافة انحاء العالم ؛ فانها ايضا ستلعب دورها فى تعنيق الوفاق الثنائى  مع  اخوتنا المسيحيين الذين تجمعنا بهم الروابط الوطنية والمصالح الاقتصادية والاجتماعية .

☆ بعض  من الاوسمة والنياشين والشهادات التقديرية التى جصل عليها الدجزماتش حسن على :-
- الحصول على لقب  قائد النظام الهاشمى من ملك الحجاز فى عام 1922م .
-  الحصول على لقب دجزماتش من الحكومة الايطالية فى عام 1936م.
- الحصول على لقب  قائد ( استار كوماندر ) من الحكومة الايطالية فى عام 1939م .

☆ توفى الدجزماتش حسن على الذى عرف بتواضعه الجم فى 21 فبراير 1964م ، وقد حضر مراسيم تشييعه لفيف من رجال الدولة وكبار المسؤولين ورافق موكب جنازته الفرقة الموسيقية  العسكرية الرسمية التابعة لادارة مدينةةاسمرا  والتى كانت تعزف المقطوعات الحزينة حتى وصول موكب التشييع الى مثواه الاخير.

☆ للفقيد الجزماتش حسن على ثلاثة ابناء : ،فاطو ، على ، سعدى  مريم ، يوسف .وهذا الاخير  اى  المهندس يوسف حسن على ، يقيم حاليا مع اسرته فى السويد اما حفيدته امينة نور حسين فهى وزيرة الصحة الحالية فى ارتريا  اما وزيرة العمل السابقة سلمى حسن  وصابرينا جميل امان فهما بنات احفاده
____________________________________________________________________________________





 Obituray of Dej. Hassen Ali Hibret Newspaper 22 February 1964
 Letter of Dej. Hassen Ali to Mufti on Asmara Islamic School 26.10.1942

 Tedla Bairu standing in front of Mufti and Dej. Hassen Ali 1949
 Hand-written letter fromTedla Bairu, Chief Executive to Dej. Hassen Ali 20.10.1955
 Letter from Beyene Berakhi, President of the Unionist faction of Mahber Fikri Hager to Dej. Hassen Ali 11.01.1943

Letter from the Mufti to Dej. Hassen Ali congrtulating him on his safety after surving the attack on his home 03.07.1947
Dej. Hassen Ali witha Yemeni delegation in Rome 1929