Saturday 6 February 2021

ዕላል አባ ክብሮም ጸጋይ ምስ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ ገረኺዳን 2017 Abba Kibrom Tseggai's conversation with Tesfay Tecle Gebrekidan on the beginnings of the armed struggle

 

 

 

Abba Kibrom Tseggai's conversation (2017) with veteran freedom fighter, the late Tesfay TeKle Gebrekidan on the beginnings of the armed struggle 

Picture: Courtesy of Harnnet.org

Tesfay Tekle joined the armed struggle in 1966 and served at various position in the Eritrean Liberation Front (ELF) in various positions including a member of the Revolutionary Council and staff in the Eritrean Liberation Army. He returned to Eritrea after liberation and served the Eritrean Government in different positions. His last position was the Director of the Social Services in the Northern Red Sea Zone. He passed away on 31.07.2018

22/01/2017

ዕላል አባ ክብሮም ጸጋይ ምስ ተስፋይ ተኽለ ገረኺዳን

 ብዛዕባ ምጅማር ገድሊ ነጻነት ኤርትራን ታሪኽ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራን

ዕላልና ብዛዕባ እዚ ኢድሪስ ሓምድ ዓዋተ ነዚ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝጀመረ ንሱ መን እዩ፡ ነዚ ቃልሲ ድማ ብከመይ ከምዝጀመሮ እዩ።

ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ንታሪኽ ሓምድ ዓዋተ ካብ ንእስነቱ ጀሚርና ክንርእዮ ከሎና ብትውልዱ ዝመጸ ክልተ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ይርከብ።

እቲ ሓደ ወገን ምናዓምር  ቅድም ሓምድ ዓዋተ ኣብቲ ግዜ ሰብ ትግራይን (ብሔረ ትግርኛን) ዋልቃይትን ንከብቲ ኤርትራውያን ኣብ ዝዘርፉሉ  ካብ እንግሊዝ ሸፋቱ ንከላኸል ወጺኡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ወድና ኣይኮነን ወዲ ናራ እዩ ይብሉ ነበሩ። እብዚ እዋን እዚ ኣብ ጸገም ኣብ ዝነበረሉ ናራ ግን ወድና እዩ ቢሎም ኩሉ ነገሩ ይቅበሉን ይጾሩን ነበሩ።

ሕጂ እዚ ሃገራዊ ቃልሲ ምስ ተጀመረ  ወድና እዩ እንተበልካ ምናዓምር ወድና እዩ ቢሎም ይቃወሙ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግን ኣየናይ እዩ ቢልካ እንክትምርምር ኣበይ ተወሊዱ ምስ እትብል ናራ እንታይ ይብሉኻ ኣብ መጎራይብ ተወሊዱ ይብሉ፤ በዚ ድማ ምእቲ ብምእቲ ናራ እዩ ወድና ይብሉ። እቲ ሓቂ ግና እዚ ሰብ እዚ ወዲ ሓፈራ እዩ፣ ሓፈረታ ከዓ እዩ። ሓፈራ ድማ ከሰር እዮም ካብዞም ምናዓምርን ናራን ካልኦትን ዝውለዱ ሕውስዋስ እዮም።  በዚ እቲ ሓቂ ንሱ ሓፈራ እዩ። ኣዲኡ ድማ ምእቲ ብምእቲ ናራ እያ። እምብኣር እቶም ናራ ኣብ መጎራይብ ተወሊዱ ድሓር ንእሽቶይ ከሎ ምስ ኣቦኡ ናብ ገርሰት ከደ ይብሉ። ምናዓምር ግን ብቅድሙ ኣብ ገርሰት ተወሊዱ ይብሉ።

ብዛዕብ መኣስ ዓመት ተወሊዱ ኣብ ዝብሃለሉ ቍሩብ ፍልልይ ይርከብ። ገገለ 1915 እንክብሉ ገገለ ድማ 1910 ይብሉ። ግን ኣነ ኣበይ ምዘበልኩ ኣብዚ 1910 ኣብ ዝብሉ ምደገፍኩ።ከመይ እዚ ሰብኣይ እዚ ክመውት ከሎ ኣብ 52ዶ ኣብ 54 ዕድሜኡ ሞተ ይብሉ። ከምኡ ወዲ 25 ዓመት ከሎ ድማ ኣብ ጥልያን ተዓስከረ ይብሃል። ሕጂ ነዚ ምስ እተነጻጽር እቲ 1910 ይቀርብ።ንሱ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝውዳእ ወተሃደር ጣልያን ነበረ። ብጣልያን ብዙሕ ንኡድን ፍትውን ጅግና ነበረ። ሓደ ዓንጻር 50 ተዋጊኡ ክዕወት ዝኽእል ዝብል ምስክር ወረቀት ነበሮ ይብሃል።

ካብዚ ንደሓር ጥልያን ተሳዒሮም ካብ ኤርትራ ምስ ወጹ ኣይደንጎየን ዓንጻር እንግሊዝ ቆመ። ስለምንታይ ዓንጻር እንግሊዝ ቆይሙ ኣብ ዝብሃለሉ፣ እንግሊዝ በዚ ሓደ ወገን ኣስላም ክርስትያን በቲ ካልእ ወገን ድማ ትግረ ሽማገለ ቢሎም ንሕዝቢ ኤርትራ ክፈላለዩ ጀመሩ።ብፍላይ ኣብዚ ጎይታን ባርያን ኣብ ዝብሃል እዚ ኢብራሂም ሱልጣን ራቢጣ ኢስላሚያ ቢሉ ኣብ ዝተበገሰሉ ንምጕስጓስን ንምንህሃራን እንግሊዝ ብዙኅ ግደ ተጻወተ። እንግሊዝ ድማ ነዚ ዝገበሩ ሕዝቢ ኤርትራ ተገራጪዩ ብሓደ ከም ሃገር ከይቆሙን ኣብ ረብሓታቱን ዕላማኡን ንከይቃወምዎን ከምዝነበረ ተንተንቲ ይገልጹ።

ዕላማ እንግሊዝ ንኤርትራ ኣብ ምምቃልን ንኢትዮጵያ ኣብ ምሃብን ነበረ። በዚ እዚ ንክኸውን ድማ ሕዝቢ ኤርትራ ክበታተን ክጠፍእን ይድለ ነበረ። በዚ እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ነዚ ተቃዊሙ ዓንጻር ምምሕዳር እንግሊዝ ደው በለ። ሕጂ በዚ እንክተሃላለኾም እንግሊዝ ከም ሽፍታ ቆጺሮም መልክዕ ሽፍታ ከደንዎ። ከማኡ ብግዜኡ ሓይለስላሴ እውን ሽፍታይ ገበርዎ።በዚ ጸሓፊ ታሪኽ ኤርትራ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን (2016) ኣብ ዝሕተሞ መጽሓፉ (ኤርትራ ካብ 1956-1962) ንሽፍትነት ዓዋተ ፍሉይ ዓይነት ሽፍትነት ኢልዎ ኣሎ።

ኣብዚ እንታይ ጸገም ኣሎ ይመስለካ። ዓዋተ ምስ ኵናማ ፍቅሪ ኣይነበሮን። ከመይ ኵናማ ብመሰረቱ ጸገም ነበሮም። ምኽንያቱ በዚ ሓደ ወገን ትግረ በቲ ካልእ ወገን ድማ ትግርኛ ንመሬቶም ጋሽ ክወርዎ ጀመሩ።ኵናማ ድማ ነዚ ይቃወሙ ንኣኡ ንክከላኸሉ ድማ ብረት ክረኽቡ ነበሮም።ብረት ንክረኽቡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ይጽጋዑ ነበሩ።እምብኣር ዓዋተ ድማ ነዚ ይቃወም ነበረ።በዚ ድማ ምስ ኵናማ ኣብ ምግርጫው መጸ። ነዚ ዝርዝሩ ኣብዚ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መጽሐፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ ተወከስ።ዓዋተ ብከምዚ ክኸይድ ከሎ እንግሊዝ ብቀሊል ይርእይዎ ኣይነበሩን።ንዓዋተ ክሕዙ ብዙሕ ይጽዕሩ ነበሩ።

ዓዋተ ነዚ ናይ ምክልኻል ወራራት ወይ ዝርፍያ ከብቲ ከተግብር ኣብ ዋልቃት ተዘሚተን ንዝኸዳ ከብቲ ንክመልሱሉ ንሱ ድማ ብወገን ኤርትራ ተዘሚተን ንዝመጻ ክመልሰሎም ምስ ገለ ጕጅለ ሰባት ይሰማማዕ። ሕጂ ሓደ መዓልቲ እዞም ጕጅለ ኣብ ኤርትራ ንእንግሊዝ ተቃዊሞም በረኻ ወጺኦም ብጮት ዓዋተ ንሱ ኣብ ዘይነብረሉ ጠሚዮም ሓደ ጣዕዋ ናይ ሓደ ኵናማ ከም ሹሞም ዝፍለጥ ብዝይፍቃዱ ወሲዶም ሓሪዶም በልዑ። ድሓር ዓዋተ ነዚ ምስ ሰምዐ ተጋጊኹም ከምኡ ኣይግበርን እዩ ቢሉ ንኣኦም ገኒሑ ናብቲ ሰብኣይ ከይዱ ነዚ ወረ ሰሚዐ ሾውዓተ ጣዕዋ ክክሕሰካ ይብሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኣይከውን ብስረኻ ዝወሰድካዮ ብስረይ እመልሶ ቢሉ ይኣብዮ። ሕራይ እምብኣር ተባሃሂሎም ይፈላለዩ።

ድሓር ዓዋተ ሓደ ግዜ ምስ ጕጅለኡ መጺኡ ኣድርሩና ቢሎም ነቲ ዓዲ እቲ ሹም ይሓትዎም። ሕራይ ቢሎም በዚ እቲ ዓዲ የድርሮም፣ በቲ ካልእ ወገን ከዓ ኣብ መዓስከር እንግሊዝ ኣብ ቀረባኦም ዝርከብ ከይዶም ሓበሬታ ሂቦም ኣድሪሮም ምስ ኣደቀስዎም ነቶም ወተሃደራት እንግሊዝ መጺኦም ንከጥቅዕዎም ይዕድምዎም።

በዚ ወተሃደራት እንግሊዝ ለይቲ ሓደጋ ወዲቆም ንጕጅለ ዓዋተ አጥቅዕዎም። ዓዋተ ኣብዚ ክዋጋእ ተወጊኡ ወደቀ እቶም ብጮቱ ድማ መይቱ ቢሎም ሓዲጎምዎ ሓዲሞም ወጹ። ካብዚ ዓዋተ እናተገላበጠን ፍዅዅ እናበለን ከይተራእየ ካብቲ ቦታ ረሓቀ። ካልእ ጊዜ ኣብቲ ከባቢ ዕጣን ዝሰርሑ ዝነበሩ ሶማላውያን ረኺቦምዎ ተኸናኺኖም ንዓዋተ ምስ ኣሕወይዎ ከይዱ ምስ ብጮቱ ተሓወሰ።

ካብዚ ዓዋተ ናብ ዋልቃይት ከይዱ ነቶም ምስኡ ተሰማሚዕም ንዝነበሩ ጕጅለ ነጊሩ ንኣኦም ሒዙ መጺኡ ነቲ ዓዲ ኣንደዶ፣ ግን ሓንቲ ኣይወሰደን። እቶም ብጮቱ ንክዘምቱ ምስ ደለዩ ከልኦም። እንተደለዅም ካባይ ትወስዱ እምበር ካብኦም ሓንቲ ኣይትውሰዱ በሎም። በዚ ሓምድ ዓዋተ ንብረት ናይ ካልእ ሰብ ከም ካልኦት ሸፋቱ ኣይወስድን ከምዝነበረ ንምግላጽ እዩ።

ነዚ ንምርግጋጽ ድሓር ብ1984 ንፋይቱንጋ ረኺበ ኣብ መንጎኹምን ዓዋተን እንታይ ጸገም ነበረኩም ቢለ ባዕለይ ሓተትኩዎ። ፋይቱንጋ ንዓዋተ ይጸልዖ ነበረ። ሕጅ ንሱ ንሕና ምስ ዓዋተ ሓንቲ ጸገም ኣይነበረናን፣ ጸገምና ብሓፈሻ ምስ ትግረን ትግርኛን እዩ ንናራ ሓዊስካ።እዞም ትግርኛ ካብ ከበሳ ወሪዶም መሬትና እንኪወስዱ እቲኣቶም ድማ መሬቶም ከግፍሑ ብምርካቦም እዩ ይብለኒ። እዚ እናኾነ ከሎ ባዕለይ ትግራይ ከይደ 1500 ጠበናጁ ኣምጺአ ንኩናማ ካብ ትግርኛን ትግረን ምእንቲ ክከላኸል ይብለኒ።

ሕጅ ንከብርሃልካ እዞም ብሐረ ትግርኛን ትግረን ምሳና ኣይዋሰቡን ሰብ ከምኦም ገቢሮም ስለ ዘይቆጽሩና ኢትዮጵያውያን ኣምሓሩ ግን ሰብ ስለ ዝቆጽሩና ካባና ይወልዱ በዚ እቲ ከቢድ ጸገምና ምስ ዓዋተ ጥራሕ ዘይኮነ ብዓቢዩ ምስ ትግርኛን ትግረን እዩ በለኒ። ካብዚ ኢድሪስ ሎንጊ ዝተባህለ ኵናማ ንፈረስ ፋይቱንጋ ወሲዱ ንዓዋተ ሃቦ። በዚ ዓዋተ ናይ ሰብ ንብረት ወሳዲ እዩ ክበሃል እንተኾነ እዚ ጥራሕ እዩ። ነዚ ፈረስ ዝወሰደሉ ምኽንያት ከኣ ፋይቱንጋ ንኵናማ ዝውድብን ዓንጻር ዓዋተ ዘዕጥቅን ስለ ዝነበረ ጥራሕ። በዚ እዞም ሎሚ ዓዋተ ቀቲሉና ዓዋተ ዘሚቱና ዝብሉ ዘለዉ ሓሶት እዩ።

ሕጅ እዚ እንግሊዝ ንኤርትራ ኣብ ኣስላምን ክርስትያን ኣብ ዝፈላለየሉ ዓዋተ ነዚ ይጸልእ ነበረ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝጀመረሉ፤ ዓዋተ ምስ እድሪስ ሓመድ ኣድም ኣቦ መንበር ፓርሊያመንቲ ኤርትራ ንተወሰነ ግዜ ዝነበረ ኣፍልጦ ነበሮ። እድሪስ ሓመድ ኣድም ኣብ ፓርሊያመንቲ ዝነበረሉ ዝነበርኩሉ ዓዋተ ኣብ ኣስመራ መጺ ብረታዊ ቃልሲ እንተዘይጀሚርና እዚ ፈደረሽን በብቍሩብ ይፈርስ ኣሎ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክንኣቱ ኢናይ ይሉኒ ይብል። እሞ በዛ ሓንቲ ጠበንጃኻዶ ቃልሲ ክንጅምር ኮይናን ዓቅሊ ግበር ኢለዮ ድማ ይብል።

ከምብሓዲሽ ኣድም ካብ ኣቦ መንበር ፓርለመንቲ ወሪዱ ከሎ ዓዋተ ኣብ ዓቍርደት መጺኡ ረኺብዎ ብረታዊ ቃልሲ ንጀምር ይብል። ሕጅውን ተዓገስ ምቅራርብ የድልዮ ቢለዮ ይብል። እዚ እናኾነ ከሎ ድማ ኣብ ፖርትሱዳን ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ብ1958 ይጅመር። እዚ ኵሉ እናኾነ ከሎ ድማ 1200 ኤርትራውያን መንእሰያት ኣውራ ካብ ምዕራባዊ ቆላታት ኣብ ሰራዊት ሱዳን ተዓስኪሮም ነበሩ። እዞም ማሕበር 7 ድማ ነዚኣቶም ወዲቦምዎም ነበሩ።እዞም መንእሰያት ድማ ፖለቲካ ዘይፈልጡ ወተሃደራት ንማሕበር 7 ወተሃደራዊ ቃልሲ እንጅምር እናበሉ ኣሓሊሎምዎም ነበሩ። ማሕበር 7 ግን ብረታዊ ቃልሲ ንምጅማር ቅሩባት ኣይነበሩን ኣብ መደቦውን ኣይነበረን።

ብ1959 ኢብራሂም ስልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድም ብሓጋዝ እዞም ወተሃደራት ሱዳን ካብ ዓቍርደት ወጺኦም ሱዳን በጽሑ። ካብዚ ድማ ቀጺሎም ካይሮ ብሓደ በጽሑ። ሕጂ እቲ ርክብ ዓዋተን ኢድሪስን ኣብዚ ይውዳእ።

ሕጂ ኣብ ካይሮ እንታይ ነበረ፤ ኣብዚ ኣዝሃር ዩኒቨርሲቲ ኣስላማዊ ተቍዋም ንክመሃሩ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ካብ መታሕትን ካብ ሳሆን ይርከቡ ነበሩ። እዚኣቶም ድማ ናይ ኤርትራውያን ክላብ ኣቋቍሞም ነበሩ። ዕላማኦም ድማ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ንምሕጋዝ፣ ንካልኦት ኣፍሪቃውያንን ዓዕራብን ጕዳይ ኤርትራ ንምግላጽን ዝብል ነበረ።

በዚ ኣጋጣሚ ኢድሪስ መሓመድ ኣድም ኣቦ መንበር ፓርላመንት ዝነበረን፣ ኢብራሂም ስልጣን ኣቦ መንበር ራቢጣ ኢላሚያ ዝነበረን፣ ወልደኣብ ወልደማርያም ውሩይ ተቃላሳይ ኤርትራ ዝነበረን ኣብዚ ካይሮ መጺኦም ካብ ሃለዉ ኣራኺቦም ንከሰማምዕዎ መደቡ። በዚ ድማ በብሓደ ይረኽብዎም። ኢድሪስ ሕራይ በሎም ኢብራሂምን ወልደኣብን ግን ተወላወሉ። እቶም ተመሃሮ ከምዝትርኽዎ ንስኻትኩም ኢድሪስን ኢብራሂምን ካብ ቀደም ኣብ ኤርትራ ጀሚርኩም ከምዘይትሰማምዑ ንፈልጠኩም ሎሚ ግን እቲ ገዲፍኩም ተሰማምዕኩም ንክትሰርሑ ኣብዚ ጸዊዕናኩም በልናዮም። ኢድርስ ሕራይ እንክብል ኢብራሂ ናይ ራቢጣ ኣቦመንበር ስለ ዝነበረ ካልእ ክድርብ ኣይደለየን ወልደኣብ ከዓ እዚ ቍሩብ ሕዝቢ ኤርትራ ዓንጻር ብዝሒ ዘለዋ ኢትዮጵያ ገጢምካ ዘዋጽእ ኣይመስል ዝብል ሓሳብ ከምዝነበሮ ይገልጽ ነበረ። ዝኾነ ኮይኑ ተሰማሚዖም ኣብ ኣኼባ መጹ። እብዚ ኣኼባ ኢብራሂም ስልጣን ሓፍ ኢሉ ንመሓመድ ኣድም ብጸርፊ ጨፍጨፎ።ኢድሪስ መሓመድ ኣድም ድማ ተንሲኡ ነቶም ተማሃሮ ኣብዚ ዓብይ ጕዳይ ብምዕዳሞም ኣመስጊኑ እዚ እትሰምዕዎ ስለ ዝኾነ ብሓደ ዝስራሕ ኣይኮነይ ይብሎም። ኣብ’ዚ እድሪስ ነቶም ተመሃሮ ኣብ ጎድኑ ሓዞም።ካብኡ ማእከላይ ባይቶ ካብ መንጎም ትሽዓተ ኣባላት ኣስማቶም ምሳይ ኣሎ መሪጾም ኣቦመንበር ንኢድሪስ መሓመድ ኣድም ይገብርዎ።

እዚ ክፍጠር ከሎ ማሕበር 7 ገለ ካብቶም ተመሃሮ ወድቦም ስለ ዝነበሩ ምእንቲ ንክወሃህዱ ክልተ ግዜ ኣኼባ ገብሩ፤ሓንሳብ ኣብ ካይሮ ሓንሳብ ድማ ኣብ ፖርትሱዳን። ኣብ ኢድሪስ መሓመድ ኣድም ንማሕበር 7 መንእሰያት ዝምባሌ ኮሚኒዝም ዘለዎ ገቢሩ ይርእዮም ስለ ዝነበረ ምስ እዚኦም ይስራሕዶ ይኸውን ቢሉ ይሓስብ ነበረ። ማሕበር 7 ድማ እዚ ናይ መስፍነት እዩ መበቆሉ እውን ካብ መስፍንነት እዩ ምስ እዚ ክስራሕ ይካኣልዶ ይኽውን ቢሎም ይሓስቡ ነበሩ። በዚ እዚ ርክቦም ኣይተዓወተን።

እዚ ኵሉ እንኪኸውን ዓዋተ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነይሩ። እንታይከ ይገብር ነበረ።ንሱ ብመንገዱ ኣብ ሕዝቢ ይኹን ኣብ ፖሊስ ኣብ ሰራዊት ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያንን ይወዳድብ ነበረ።እዚ እናገበረ ከሎ ኣብ ገርሰት ይነብር ነበረ ኣብ ተሰነይ እንኪመላለስ ድማ ክኣቱ ከሎ ጠበንጃኡ ምስ ፖሊስ የቀምጦ ነበረ። እስፐዛኡ ወሲዱ ክምለስ ከሎ ድማ ጠበንጃኡ ወሲዱ ንገረሰት ይኸይድ ነበረ። በዚ ግዜ እዚ ድማ ምስ ኪዳነ ህዳድ ሌላ ገበረ።  ኪዳነ ህዳድ ድማ ሓልፊ ክፍሊ ስለያ ነበረ።

ዓዋተ እዚ ኵሉ ምሕዝነት ምስ ክዳነ እናሃለዎ ጨሪሹ ብፖለቲካዊ ጕዳይ ተዛሪብዎ ኣይፈልጥን። ካብዚ ሓደ ጊዜ ካብዞም ሰራዊት ሱዳን ዝነበሩ ኤርትራውያን ወተሃደራት ንኪዳነ ናብ ሱዳን ይዕድምዎ እሞ ካብ ተሰነይ ናብ ከሰላ ይኸይድ። ኪዳነ ከምዝብሎ ሾመንተ ሰባት ኮይኖም ንኣይ ከምዝመስለኒ ከዓ ኣብ ገዛ ዑመር እዛዝ ረኸቡኒ ይብል። ኣብ’ዚ ንመብራህቲ ሉቸ ኣጥፊኦም ለምበዲና ኣብሪሆም መጽሓፍ ቅዱስ ኣቅረቡለይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ትርእይዶ ኣሎኻ ይብሉኒ።እወ ምስ በልኩዎም እሞ ንሕና ኣብዚ ዓዲምናካ ዘሎና እንተተሰማማዕና ብሓደ ንክንሰርሕ እንተዘተሰማማዕና ከዓ ምስጢር ኮይኑ ንክተርፍ በዚ ማሓለልና በሉኒ።ካብዚ ንኣና ንኵላትና ማሕበር 7 ወዲባትና ኣላ ሕጅ ማሕበር 7 ብረታዊ ቃልሲ ንክትጅምር ድልየት የብላን ንሕና ግና ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት ኤርትራ ንክንጅምር ካልእ ውድብ ንምቋም መዲብና ኣሎና ይብሉኒ። ጽባሕ ብረታዊ ቃልስ ክጅመር ከሎ ድማ ቅድም ሕዝቢ ተወዲቡ ክጸኒሕ ስለ ዘለዎ ሎሚ ንስኻ ኣብ ሕዝቢ ኮነ ኣብ ፖሊስ እናወደብካ ክትሰርሕ ንደልየካ ኣሎና ይብሉኒ። ሕጂ ንስኻ መልሲ ኣይትሃበና ምስ ሓውኻ ተድሮስ ህዳድ ኣብ ሰራዊት ሱዳን ወተሃደር ዝነበረ ክሓስብ ንክሓድር እሞ ጽባሕ ምሸት ሓሲብካ መልሲ ንክትህበና ቢሎም ኣፋነዉኒ ይብል። ሓሲበ ድማ ድልው ምዃነይ ከምቲ ዝደለዪዎ መለስኩሎም።ካብዚ ቀጺልና ሓሙሽተ ግዜ ተራኸብና እሞ ብዙሕ ሓተቱኒን ከም ክንዳይ ጦር ሰራዊት ኣለዉ እንታይ ዓይነት መሳርያ ኣለዎም ወዘተ። ኣብ መጨረሻ ኣብ ሓምሳይ ግዜ ንኣና ንክንጽውዓካ ዝሓበረና ሓምድ ዓዋተ እዩ፤ ንሱ ከዓ ሓላፊና እዩ ቢሎም ኣፋነዉኒ።

እዚ ዓዋተ ዓርከይ መተዓልልተይ ስለምንታይ ነዚ ባዕሉ ዘይነገረኒ ቢለ እናሓስብኩ ንተሰነይ ኣብ ስራሓይ ተመለስኩ። ኣብ ራብዓይ መዓልቱ ድማ ዓዋተ ባዕሉ መጺኡ ይረኽበኒ። ሕጂ ሰላም ቢሉ እደልየካ ነይረ ኣበይ ድኣ ከድካ ምስ በለኒ ተሰማሚዑና ቢሎም ነጊሮምዎ ከምዝነበሩ ተረዲኡኒ ፍሽኽ በልኩ እሞ ካብ ቤት ንደገ ወጻእና።

ሕጂ ኣብ ፖሊስ ኮነ ኣብ ሕዝቢ ካብ ነፍስኻ ንላዕሊ ንእትኣምኖም በብሾውዓተን በብሓሙሽተን እናገበርካ ወድብ፤ በብወገኖ እቶም ንስኻ ዝወደብካዮም ከዓ ከማኡ እናገበሩ ይወድቡ፤ እቶም ዝተወደቡ ድማ ካብ ጕጅለኦም ንኒየው ሓሊፎም ክፋለጡን ክራኸቡን የብሎምን ቢሉ መምርሒ ሃበኒ።

ከምዚ ቢልና እናሰራሕና ከሎና ድማ ሰለስተ ሰባት ሸፈቱ።ሓደ ካብዞም ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ካብ ዓድ እኵት ነታባይ ብምኽንያት ኣግማል ነበራ ዘከራኽራኦ እሞ ብፍትሒ ክረኽበን ስለዝይከኣለ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ዓርኩ መሓመድ ከርያይ ይብሃል ኣብ ዓቍርደት ሓዳር ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ እዩ እሞ ሓምድ ፈረጅ ኣብ ባርካ ኣመሓዳሪ ምስ ተሾመ ንዘመዱ ምእንቲ ከእቱ ካብ ስራሑ ዝተባረረ፣ እዚኣቶም ቀደም ሽፍታ ዝነበሩ ዝሓብእዎ ብረት ዝነበሮም እዮም። እቲ ሳልሳዮም ከዓ ምንም ጸገም ዘይነበሮ ዕስማን በረግ ዝብሃል ኣብ ገሉጅ ዝነብር ዝነበረ ሕዞምዎ ሸፈቱ።

እዚኣቶም ሸፊቶም ከለዉ ናይ ነጋዶ ከብቲ ገለ ኣብዚ እንኮደ ክሕረዳ ገለ ድማ ንዕዳጋ ኣብ ኣስመራ ንክሽየጣ ብጓሶት ተኾብኵበን ክኸዳ ከለዋ ኣብ መንገዲ ረኺቦም ዘሚቶምወን ክሳብ ኣብ ዝደልይዎ ቦታ ዝበጽሑ ምስ ጓሶተን ወሰድወ፣ ኣብ ዝደለዪዎ ቦታ ምስ በጽሑ ድማ ነቶም ጓሶተን ፈነውዎም።

በዚ ግዜ እዚ ገረኺዳን ተስፋይ ዝተባህለ ብ1965 ጀብሃ ኣብ ከረን ዝቀተልዎ ማጆር ናይ ፖሊስ ኣዛዚ ኮይኑ ኣብ ተሰነይ ይጸኒሕ። ሕጂ እቶም ጓሶት መጺኦም ከምዚ ጸገም ረኺብና ቢሎም ይነግርዎ። ንሱ ካብዚ 15 ፖሊስ ኣብ ጋሽ ከይዶም ዝፍትሹ ንኪዳነ ድማ ካብቶም ጓሶት ሂቡ ኣብ ዕዳጋ ከሰላ ዝሽየጣ እንተለዋ ንክፍትሽ ይሰዶ። እዚኣቶም ድማ ሓንቲ ከይረኸቡ ተመልሱ። ምስ ተመልሱ ድማ ከምብሓዲሽ ክሳብ ዋልቃይት ንፖሊስ ኣበገሰ ንክዳነ ድማ ምስኦም ሰደዶ። ኣብ ገርሰት መደበር ፖሊስ ነበረ፣ 15 ፖሊስ ነበርዎ እሞ ብማንኪና ኣብኡ ኣብጽሖም።

ካብዚ እቲ ሓልፊ ፖሊስ ካብ ኣብዚ ነቍጣ ፖሊስ ቀንፈዘው ክንብል ካብ ንሓድር ኣብ ዓዋተ ንኺድ ካብዚ ክልተ ኪልሜተር ይርከብ ሓሪዱ እኳ የድርረና  ምስ በለ ኣብኡ ከዱ ሓሪዱ ድማ ኣድረሮም። ኣብ ጊዜ ድቃስ ድማ ዓዋተ ንኪዳነ ንበይኑ ጸዊዑ ወሲዱ በል ኪዳነ እዚ ኣነን ንስኻን ብምስጢር እንሰርሖ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ትፈልጦዶ ይመስለካ በለኒ። ነዚ ኣነ (ተስፋይ) ዝገልጸልካ ዘሎኹ ከዓ ንሕና ኣብ ገድሊ ክንመሃር ከሎና ንዓዋተ ኢትዮጵያ ንክትሕዘካ ፖሊስ ኣበጊሳ ኣላ ውጻእ ኣብኡ ኣይትጽናሓዮም ዝበሎ ሓደ ፖሊስ ኪዳነ ህዳድ እዩ ዝብሉ ይሰሚዕ ስለዝነበርኩ እዩ።

ስለምንታይ ከምኡ ቢልካ ትሓት ምስ በልኩዎ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት  ፖሊስ ገረኺዳንን ዑመር ዓብደልቃድር ዝብሃልን እዚ ዑመር ድማ ኣብ ዶብ ጸጥታ ክሕሉ  ሓልፍነት ዝተዋህቦ ነበረ ምስኦም ድማ ሕመድ ኡኩት ህሮዳ ድማ ኣማሓዳሪ ተሰነይ ዝኾነ ዑመር ሓሰኖ ድማ ኣብ ግዜ ፈደረሽ ሚንስተር ፍርዲ ዝነበረ እዩ ኣብዚ መደበር ፖሊስ መጺኦም ክልተ ፖሊስ ልኢኾም ንደልየካ ኣሎና ንዓ በሉኒ ይብለኒ።

ኣነ ምስ መጻእኩዎም ከኣ ክልተ ነገራት ተዛረቡኒ ሓደ ነዞም ከብቲ ዝወሰዱ ሽፍታ ነዘን ከብቲ ዝዘመቱ ኣምጻኣዮም በሉኒ ካልኣይ ኣብ ኣስመራ ተድላ ዑቍቢት ይደልየካ ኣሎ በሉኒ። እሞ ንስኻኸ እንታይ መለስካሎም ምስ በልኩዎ፤ ኣነ ብዛዕባ እቲ ናይ ተድላ ዑቍቢት ኣይተዛረብኩዎም፣ ብዛዕባ ናቶም ሽፍታ ግን እንታይ ኢኹም እትብሉ ዘሎኹም ነዞም ሽፍታ ንስኻ ኣበጊስካዮም ዲኻ እትብሉኒ ዘሎኹም ወይ ተዋጋኣዮም እትብሉኒ ቢለ ሓትትኩዎም። ተዋጋኣዮም እትብሉኒ እንተኾንኩም ንስኻትኩም ሰራውትን ብረትን ኣሎኩም ባዕልኹም ተዋግእዎም ኣነ ብሓደ ብረት ዘሎኒ ክዋግኦም ኣይክእልን በልኩዎም።ቀደም እዚ ከይመጽእ ኣነ ወተሃደር ዓሊምኩም ተውፍሩ ሓቢረኩም ነይረንድየ ቢለዮም፤ ንስኻ ኣበጊስካዮም እትብሉ እንተኾንኩም ተጋጊኹም ቢለዮም።እዚ ምስ መለሰለይ እሞ ንሕና ሕጂ ንዋልቃይት ንኸይድ ኣሎና ኣነ ክሳብ ዝምለስን ኣጻሪየ ዝሕብረካን ንከተማ ኣይትእቶ ወሰን ወሰን ኪድ ቢለዮ ሓልፈ።

ሓደ መዓልቲ ምስ ከድና ፍርቂ መዓልቲ ምስ ከድና ድማ መልእኽተኛ ወረቀት ሒዙ ኣርኪቡ ዓዋተ ሸፊቱ ተመለሱ በሉና። እዚ ሰብኣይ ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ቢለ እናሓሰብኩ ተመለስኩ። ምስ ተመለስኩ እንታይ ተረዳእኩ ድሕሬና እዞም ዓርባዕተ ሰባት ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስኩዎም ከምብሓዲሽ መጺኦም ንኣዛዚ ናይቲ መደበር ፖሊስ ሕጂ እውን ፖሊስ ልኢኽካ ንዓዋተ ጸውዓልና በልዎ።

እዚ ሓላፊ ንስኻትኩም እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም ምዓልቲ ምዓልቲ ፖሊስ እናለኣኻ ምጽዋዕ ንክብረቱ ዝትንክፍ እዩ። ከምትፈልጥዎ ንሱ ሓራቅ እዩ ተባኣሳይ እዩ ኣብ ካምዚ በዚ ንዓዋተ ዕለት ዕለት ብብረት ዝሓዘ ፖሊስ ምጽዋዕ እኳ ቆፎ ንህቢ ምትንካፍ እዩ። ንሱ ብቋንቋ ጥልያን የንብብ ይጽሕፍ እንተደለዅም ወረቀት ጽሒፍኩም ልኣኹሉ ብረት ዘይሓዘ ሰብ ክሰደሉ ይብሎም ይብል።   

ከምኡዶ ይሓይሽ ቢሎም ድማ ወረቀት ጽሒፎም ብሓደ ፖሊስ ሰደዱሉ።ዓዋተ ነታ ወረቀት ኣንቢቡ መልሱ ብድሕሪት ጽሕፍ ኣቢሉ ሓሰኖ ኣብ ሓደ ኵርባ ንክመጾ ዓደሞ። ሓሶኖ ከምዝብሎ ምስ ዓዋተ ጽቡቅ ዝምድና ዝነበረና እዩ እሞ ምስ መጻእኩዎ ብዓረብ ተዛረቢኒ እሞ ሓሰኖ እንታይ ትደልዩ ኣሎኹ ሓንሳብ ሽፍታ ኣምጽእ ሓንሳብ ተድላ ዑቍቢት ይጽውዓካ ኣሎ እትብሉ።ሓሰኖ ነዚ ብጽሑፍ እዩ ዝብሎ ናቱ ሪፖርት ሎሚ ምስ ህግደፍ ኣሎ። ኣብዚ ሓሰኖ ብኣኡ ዝደልየካ ዘሎ ንስኻ ብ1953 መልእኽቲ ጽሒፍካ ትግራይ ንከብቲ ኤርትራ ይዘርፉ ኣለዉ ዋልቃይት እውን ንከብቲ ኤርትራ ይዘምቱ ኣለዉ ኤርትራውያን እውን ይዘምቱ ኣለዉ ጸጥታ ተሳኢኑ ብዝበልካዮ እዩ ቢለ ገልጽኩሉ። ኣብዚ ከዓ 30 ካብ ትግርኛ 30 ካብ ናራ 30 ድማ ካብ ትግረ ዓሊምኩም ብረት ሃብዎም እንተኣድለየ ድማ ባዕለይ እመርሖም ኢሉ ነበረ።   ነዚ መልሲ ምስ ሰምዑ እዚ ሕጅ ክሽፍት እዩ ቢሎም ንዑመር ዓብደልቃድር ኣብኡ ገዲፎም ተነሰነይ ተመልሱ ንኣና ድማ ንክምለስ በዚ ጸውዑና። እዚ ንኪዳነ ኣብ ከረን ረኺበ ንሳኻ ዲኻ ንዓዋተ ፖሊስ ንክሕዙኻ ተበጊሶም ኣለዉ ኣይትጽናሓና ዝበልካዮ ከምዝብሃል ምስ በልኩዎ መንእዩ ከምኡ ዝበለካ ኣይበልኩዎን ምስ በለኒ ንዓዋተ ትፈልጦዶ ምስ በልኩዎ ከምኡ ቢልካ ሕትተኒ ቢሉ ነዚ ኵሉ ተረኸለይ።

ዓዋተ ሽዑ ሽዑ ተመሊሱ ንፈረሱ ቀቲሉ ንዓጣሉን ንኣግማሉን ኣብ ክልተ ኣንስቱ መቃቂሉ ድማ ንበረኻ ከደ። ሕጂ ፖሊስ 90 ሰባት ካብ ምሉእ ኤርትራ ኣብ ሃይኮታ ኣቀመጥዎም። 30 ኣብ ጋሽ ዝፍትሹ፣ 30 ኣብ ባርካ ዝፍትሹ፣ 30 ድማ ኣብ መደበር ከፍ ዝብሉ ገበሩ። ደሃዩ ስኢኖም ቀቢጾም ድማ መይቱ ይኸውን ቢሎም ተረፉ።

ከምዚ ኮይኖም ከለዉ ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ካብዚ በልቃይ ዝብሃል ቦታ ብጕያ መጺኡ ሎሚ ረኸብኩም ሰኣንኩም ዓዋተ ሳብዓይ ርእሱ ኣብ በልቃይ ኣሎ እናበለ ሓበሬታ ኣምጽኣልና። ነዚ ዘረባ ኮፍ ቢሎም ዝሰምዑ ድማ ገብረኪዳንን ኪዳነን እዮም። ገብረኪዳን ከይተዛረበ ማጅሩስ ማንኪናኡ ኣተንሲኡ ሰራዊት መሊኡ ከደ፤ ኪዳነ ግን ሕጂ ክረኽብዎ እዮም ቢለ ሕቆይ ዝተሰብረ ኮይኑ ተሰምዓኒ ይብል። ድሕሪ ፍርቅ ሰዓት ይኸውን ገረኪዳን ምስ ኣውቲስታኡ ገብራይ ተመሊሱ። ካብዚ ገብራይ ይብለኒ ሎሚ ገረኺዳን ገሃነብሳዊ ፕላን ኣውጺኡ ኣሎ ጽባሕ ንዓዋተ ብሬሳኡ ወይ ብሕይወቱ ኣብዚ ጥብ ከብሎ እዩ ይብለኒ።

ከመይ ከምዝኾነ እንኪገልጸሉ  ድማ ካብዚ ንዘበግሶም ፖሊስ ኣብ ናይ ተሰነይ ፖንተ ኣኪቡ ሕጂ ክሳብ ሰብ እንስሳ ዓዕዋፍ ዝድቅሱ ክሳብ ሰዓት 11 ኣብዚ ኣምሲዩ ካብኡ በልቃይ ኣብ ዝብሃል ከድኩም ከቢብኩም ንዓዋተ ወይ ብሕይወቱ ወይ ብሬሳኡ ኣብዚ ተምጽእዎ ይብሎም።

እብዚ ግዜ እዚ እቶም ሰለስተ ሰባት ንከብቲ ዝዘመቱ ምስ ዓዋተ ተሓዊሶም ኣለዉ።ነዚ ሓበሬታ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ተሓጕሰ ይብል ኪዳነ።ሓደ ኮንትራባንዲስት ሃብታም ብዓል ማርያ ኪዳነ ዝወደቦ ነበረ።ንኣኡ ኩነታት ነጊሩ ንዓዋተ ከመይ ገቢርካ ተድሕኖ ይብሎ። ንሱ ድማ ሓንቲ ጸገም ኣይኮነን ሓደ ገመል ካብ ጥይቲ ዝቅልጥፍ ኣበግሰሉ በለኒ። ድሕሪኡ ኪዳነ እዚ ተለፎን እውን ክቍረጽ ኣለዎ ቢለ ንገለ ሰባት መሕኮሪን  መቍረጺ መጋዝን ሂቡ  ብምስጢር ኣበገሰ።ካብቲ 6 መስመር ዝነበሮ ተለፎን ንሽድሽተ ምስ ቈረጹ እቲ ፓሎ ክወድቅ ምስ ደለየ ገዲፎምዎ ተመልሱ።

ቍሩብ ጽንሕ ቢሉ ድማ ሰዓት 8 ኣቢሉ ገረኪዳን ካብ ገዛኡ ናብ ኦፐረይተር ደወለ። ምስ ኦፐረይተር ኮይኑ ድማ ኪዳነ ይሰሚዕ። እስከ ሃይኮታ ኣራኽበኒ በሎ። ኣይራኸብን ኣሎ ምስ በሎ እሞ ምስ ተሓለለ እስኪ ኣስመራ ኣራኽበኒ ምስ ሃይኮታ ከራኽቡኒ  በለ። ኣስመራ ይራኸቡ ኣለዉ ምስ ሃይኮታ ምስ በሎ ሕራይ እዚ ዓዋተ ነጀው  ኣብ ጋሽ ተመሊሱ ተለፎን ቈሪጹ ኣሎ ብምባል ገረኪዳን መልእኽቲ  ናብ ሃይኮታ ዝተሓላለፍ ከምዚ እናበለ ነቲ ኦፐረይተር ነገሮ “ ኣብ ጋሽ ሽፍታ ተረኺቦም ኣለዉ ነቶም ፖሊስ ኣብኡ ዝርከቡ መኻይንኩም ሒዝኩም ንጋሽ ፈትሹ  ነቶም ካብዚ ዝለኣኽኩዎም እውን ምስኦም ተመለሱ በልዎም ዝብል።

በዚ እቶም ፖሊስ እቲ መልእኽቲ ምስ በጽሖም ተመልሱ ዓዋተ ድማ እቲ መልእኽቲ ብገመል ዝተላእከ በጽሒዎ ኣብ ኣልገደን ዝተባህለ ቦታ ኣልገሰ።ኣብኡ ድማ ባደራኡ ተኺሉ ብረታዊ ቃልስና ጀመርና ቢሉ ኣወጀ።ንሕዝቢ ድማ ክሰብከሎም ጀመረ።

ኻብዚ እንታይ ይኸውን እቲ ምንቅስቃሱ ፍሉጥ ይኸን እሞ ፖሊስ ብኩሉ ከጓይይዎ ይጅምሩ።ኣብ ኣዳል ዝተባህለ ቦታ ድማ ኣብ መስከረም ሓደ ውግእ ገጠሙ፣ ሕጂ ኣብዚ ኣቲ ካብ ገሉጅ ዝወጸ ዕስማን በረግ ብክፉእ ተወጊኡ ኣብኡ ብምትራፍ ተማረኸ።ካብ ፖሊስ ድማ ኪዳነ ከምዝብሎ 5 ሰባት ዝሞቱ ረአኹ ይብል።

ድሕሪኡ እቲ ውግእ ብተኸታታል ይቅጽል ነበረ ከመይ ዓዋተ ዝጠቅም ብረትን ብዝሒ ሰብን ኣይነበሮን። ኣብ መንጎ እዚ ዓዋተ ንባዕሉ ሰለስተ ግዜ ተውግአ።ኣብዚ ካብ ከሰላ እናተመላለሰ ዝሕክሞ ዝነበረ ድማ ነርስ መሓመድ ኣድም ገሲር ዝተባህለ ነበረ።ንሱ ብለናይ ጣውቀታይ እዩ፣ ንሱ እዩ ድማ ንዓዋተ ኪዳነ ውጻእ ኢልዎ ቢሉ ዝትርኽ ዝነበረ።

ዓዋተ ከምዚ ቢሉ እንኪቅጽል ኣብ ወርሒ 2’ 1962 ትሽዓተ ሰባት ካብቶም ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ፖሊስ ወጺኦም ተሓወስዎ።ዓዋተ ንመሓመድ ዓሊን መሓመድ ከርያይን ሸፋቱ ንዝነበሩ ምውጋእን ምትኳስን ዝፈልጡ ስለ ዝነበሩ መራሕቲ መሳርዕ ገቢርዎም ጽንሐ።  ኣብዚ ምምጻእ 9 ሰባት ዓዋተ ኣብ ምሉእ ሕይወቱ ከም ሽዑ መዓልቲ ተሓጕሱ ኣይፈልጥን ይብሉ።

ካብዚ ንኵሎም ብሓደ ኣኪቡ ከምዚ በሎም “እዚ ሰውራ ሰቡ መጺኦሙሉ ኣለዉ እሞ መራሕትኹም ምረጹ” በሎም። ኵሎም ድማ ብዘይካኻ መራሒ የብልናን በልዎ እቶም ካብ ሱዳን ዝመጹ ኣብ ርእሲኡ ዝወሰኽዎ እዚ መሓመድ እድሪስ ሓጅ ዓቢናን ለባምን እዩ እሞ ምኽትልካ ክኸውን ምፈቶና በልዎ። ሕራይ ኢሉ ቅድም መራሕቲ መሳርዕ ገቢርዎ ንዝነበሩ ካብኡ ኣውሪዱ ካብዞም ሓደስቲ ዝመጽዎ ገበረ ኵሎም ድማ ኣይተሓጎሱሉን።ካብዚ ዓመት ምሉእ ንኽልቲኡ ወገን ተቃወምዎ።

ካብዚ ኣብ ጽላሉ ኮፍ ቢሉ ከሎ መሓመድ እድሪስ ሓጅን ዑመር እዛዝን ጣህር ሳልምን ኣቡጥያራን መጺኦም ንዓዋተ እዚ ንስኻ ዝገበርካዮ ደስ ኣይበለናን ፍቃድካ እንተኾነ ነዞም ካብ መሪሕነት ዘውረድካዮም ኣብ ቦታኦም ምለሶም ንሕና ከዓ ኣብቲ ወተሃደራዊ መዳይ ባዕልና ነሰልጥኖም  በልዎ። ሰሚዐኩም ኣሎኹ ቢሉ በዚ መሰረት ከምብሓዲስ ኣኪቡ ድማ ኢብራሂም ሓመድ ዓሊ ብረትካ ኣውርድ፣ ሓመድ ከርያይ ብረትካ ኣውርድ በሎም። ሳልሳዮም ድማ ንእሽቶይ ቈልዓ ንኣቦኡ ሰብ ቀቲልዎ ላም ሸይጡ ብረት ገዚኡ  ሕነ ንክፈዲ ዝተሓወሶም ነበረ ንኣኡ እውን ብረቱ ከውርድ ኣዘዞ። ካብኡ ካብዚ ንደሓር ክንጋደል ኢና ቢልኩም ኣብዚ ገድሊ ቅልቅል እንተበልኩም ወይሎኹም ክትቅተሉ ኢኹም ኪዱ ረሓቁ በሎም።

ነቶም ዝተረፉ ድማ ስምዑ በሎም። ኣነ ሰብ ኣይነበረኒን ኣድሊዮሙኒ ድማ ሒዘዮም ነይረ፣ እዚኦም ግን ሽፍታ እዮም። እዚ ሰውራ ንእሽቶይ ቍልዒ ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ እንተመሊኡ ክፈሽል እዩ። ጽሩይ ኮይኑ ክጅምር ኣለዎ። እዚኦም ኣየድሊዩናን እዮም በሎም።

ካልእ ሓንቲ ክሓተኩም መልሹለይ። 80 ወይ 70 ሜትሮ ጕድጓድ ኣብ መሮር ኵዒትካ ንሰብ ኣብኡ እንተኣእቲኻዮ  እንተ ኣእወየ ዝሰምዖ ሰብ ኣሎዶ?ዝሰምዖ  ሰብ የብሉን። ካብዚ ጕድጓድ እዚ ክወጽእ እንተኾነ እቲ ሰብ ባዕሉ ክወጽእ ኣለዎ። ናትና ኵነታት ድማ ከማኡ እዩ። ኤርትራውያን ሕዝቢ ኣእዊና ዝሰምዓናን ዝረድኣና ሰብ የለን።ባዕልና ንክንወጽእ ድማ ሕዝቢ ኤርትራ ንሳኻትኩም 3 ሚልዮን እዮም ትብሉ ኣነ ግን ካብ ሓደ ሚልዮን ፈረቃን ኣይ ሓልፍን እብል። እዚ ድማ ክርስትያንን ኣስላምን ዓሌታትን ኣውራጃታትን ኮይኑ  ፋሕ ቢሉ ኣሎ። ሕጂ ካብዚ ጕድጓድ ክንወጺእ እንተኾና ኣስላምና ክርስትያና ከም ካብ ሓንቲ ኣደ ዝተወልዱ ኣሕዋት ኮይና ኣንተ ዘይተቃለስና ካብዚ ክንወጽእ ኣይኮናን። ሕዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ 40 ሚልዮን ንላዕሊ እዮም ዓንጻሮም ድማ ተላዒልና ኣሎና። እዞም ትግርኛ ክርስትያን ሕጂ እንተ ዘይተሓዊሶሙና ኣብ ሓደጋ ኣሎና። ነዚ ኣብ ሓንጎልኩ ገቢርኩም ተቃለሱ በሎም። ካብኡ ባለገንዳ ኣብ ዝተባህለ መደበር ፖሊስ ወሲዱ ከይዱ ድማ መጥቃዕቲ ፈጸመ። ነዚ ዝገበረ ድማ ነቲ መደበር ክሕዝ ቢሉ ዘይኮነ እዞም ወተሃደር ሱዳን ዝነበሩ ከመይ ገብሮም ይዋጉ ንክርእዮም ቢሉ ነበረ።

ካብዚ ንደሓር ኣኪቡ ኣብዚ ግዜ እዚ ንሕና ገጽ ንገጽ ኣብ ንዋጋኣሉ ደረጃ ኣይበጻሕናን፣ ደረጃና ሕዝብና ኣብ ምውዳብን ንኣሽቱ ንእሽቱ ከትርታት ገቢርካ ብረት ምስላብ፣ ንዋርድያ ሓኒቅካ ብምሓዝ መኻዚኖ ብረት ምውሳድን እዩ። ኣድም ግንድፍል ንዝብሃል ካብ ጎኘ ክሳብ ዶብ ሱዳን፣ ንኣቡጥያራ ድማ ካብ ጎኘ ክሳብ ዓቍርደት፣ነት ምኽትሉ ዝነበረ ንመሓመድ እድሪስ ሓጅ ድማ ንዑመር እዛዝ ኣስዒቡ ኣብ ከባቢ ከረን መደቦም። እቲ ናቶም ስራሕ ድማ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ምእንቲ ንክገብሩ ነበረ።

ካብዚ ንሱ ሓምሳይ ርእሱ ናብ ጋሽ ገጾም ከዱ። ካደምደሚ ምስ በጽሑ ተጸልዖ። ንሱ መግቡ ኣብ መዓልቲ 3 ኩባያ ጥጥቆ ማሸላ እዩ ልሙድ መግቡ ዝነበረ።ሕጂ ምሸት እዚ ክቡብ ሓጃጅ ዝተባህለ ተጋዳላይ ንዓዋተ ብዙሕ ይፈትዎ ነበረ። ኣብዚ ክቡብ ሓጃጅ ባዕሉ ከምዝትርኸለይ ምሸት ኩባያኡ ሒዙሉ መጸ።ክቡብ ነፍሰይ ይቈረኒ ኣሎ በሎ፣ ክቡብ ድማ ተቀቢሉ ትኣርግዶ ኣሎኻ በሎ።ስሒቁ ድማ እስከ ነዞም ብፆትካ ኣክበለይ በሎ። ኣነ ጽቡቅ ይስምዓኒ የለን እሞ ኣነ እንተሞትኩ ሙማተይ ኣይትንገሩ ንመቃብረይ ድማ ኣይተርእዩ ምናልባት ስመይ ድሕሪ ሞተይ ንነዊሕ ዓመታት ክጠቕመኩ ይኽእል ቢልዎ ንብረቱ ንክቡብ ሓጃጅ ሂብዎ ጽቡቅ ገቢርካ ሓዛ  ከዓ በሎ። እንታይ ይብል ኣሎ እዚ ሰብኣይ በሉ።

ንሱ ወትሩ ሰዓት ሰለስተ ይትንስእ እሞ ሰላቱ ገቢሩ ንድፋዕ ይሕዝ ነበረ ይብሉ።ክነተንስኦ ምስ መጻእና ከዓ ትንፋሱ ሽዑ ክወጽእ ጸኒሑና ይብሉ። ሕጂ ሰብ እንታይ ይብሉ ዓሶ ወይ ተመን እዩ ቀቲልዎ ይብሉ። እዚ ክቡብ ሓጃጅ ምስ ሓተትኩዎ ንኵሉ ነፍሱ ፈቲሽናዮ ምልክት ብተመን ዝተነኽሶ ኣይነበሮን፣ ዓሶ ድማ ኣይነበሮን በለኒ።ምናልባሽ ጸገም ልቢ ነይርዎ ይኸን እብል ብወገነይ ይብለኒ። ካብዚ ኣብኡ ቀበርዎ ንሙማቱ ከይነግሩ ድማ መሓሉ። በዚ ነቶም ንሱ ዘበገሶም ድሕረኡ ኣይረኣዮምን ኣይርኣይዎን ድማ።

ሓደ እድሪስ ሓምድ ዝብሃል ብለናይ ብዓል እሮራ ቤት ገብሩ ኣሎ።ታሪኽ እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ክፍትሽ ከሎኹ ንዓዋተ ይፈልጦ እዩ ምስ በሉኒ ኣብ ባጽዕ ተመዲበ ክሰርሕ ከሎኹ  ካብ ባጽዕ ከረን መጽአ ኣጸዊዐዮ መጺኡኒ ኣዛሪበዮ። ንዓዋተ ትፈልጦዶ ምስ በልኩዎ እዚ ዝስዕብ ተረኸለይ።

ኣነ ንእሽቶ ወዲ 17-18 ዓመት ከሎኹ ኣደይ ሞተት።እቶም ካልኦት ኣሕዋተይ ንኣሽቱ ቈልዑት ስለ ዝነበሩ ንኣቦይ ክሕግዝ ቢለ ክሰርሕ ንዓሊግድር ከድኩ። ኣብኡ ኣብ ሲያ ክሰርሕ ጀመርኩ። ኣብኡ እናሰራሕኩ ድማ በዚ ከባቢ ኦምሓጀር ጕልሓይ ኣቲዩ ብዙሓት ከብቲ ይሞታ ኣለዋ ዝብል ወረ ሰማዕኩ። እሞ ብዙሓት ከብቲ ብጕልሓይ ይሞታ እንተለዋ እቶም ጓሶት እንታይ ክገብርዎ ኮይኑ ኣነ እንተወሓደ ቆርበተን ኣኪበ ብምሻጥ ሕልፊ ገንዘብ ምገበርኩ ብምባል ናብኡ ገጸይ ክድኩ።

ክኸይድ ከሎኹ ድማ ኣብ ገርሰት በጻሕኩ። ኣብኡ ድማ ዓዋተ ጸንሓኒ። ጋሻይ እዩ ቢሎም ድማ ጸውዑኒ እሞ ካበይ ኢኻ ቢሎም ሓተቱኒ።ኣነ ቢለናይ ካብ ከባቢ ከረን እየ ኣብዚ ከብቲ ብጕልሓይ ይሞታ ኣለዋ ምስ ሰማዕኩ ድማ ቈርበትን እናሸጥኩ ገንዘብ ክገብር ዝመጻእኩ እየ በልኩዎም። እሞ ክትምለስ ከሎኻ በዚ ምጽኣኒ ቢሉኒ ድማ ክምለስ ከሎኹ መጽእኩዎ። ምስ መጻእኩ ኣይጸንሓኒን ግን ኣነ ከየሎኹ እንተመጸ ነቲ ቈርበት ምስ ሸጠ ይመለሰለይ ዝብል መልእኽቲ ሓዲጉለይ ጸንሐ። በዚ ንቈርበት ምስ ሸጥኩ ድማ ተመለስኩዎ።ዓዋተ ኣብዚ ጸኒሑ ከምዚ እናበለ ተዛረበኒ። እድሪስ ንስኻትኩም ብለን ሓራስቶት ኢኹም። ሕጂ እዚ ንስኻ ቈርበትዶ ገለዶ ሸይጥካ ክጠቅመካ ኣይኮነን ቢሉ ሒዙኒ ንመሬቱ  ክርኢ ኣዛወረኒ። እቲ መሬቱ ገፊሕ ነበረ። እዚ መሬት እዚ እንተ ተሓርሱ እኽልን ስምስምን ይፈሪ፣ ስለዚ ኣነን ንስኻን ብሓባር ብፍርቂ ከመይ ዘይንሓርሶ በለኒ።ንስኻ ትሓርሶ ንእኽልን ስምስምን ድማ ንማቀሎ በዚ ድማ ገንዘብ ንክትገብር ትኽእል በለኒ። ሕራይ በልኩዎ። በዚ እናኣዛወረኒ ከሎ ድማ ኣብ ሓደ ለሰይ ምስ በጻሕና ስለምንታይ ኣብዚ ዔላ ዘይትዅዕት ምስ በልኩዎ ጠሚቱኒ እዚ ሰቦት እዩ ማይ የብሉን በለኒ። ኣይምተሳእነን በልኩዎ። ኣይኣመነን። እናተዛወርና ከሎና ድማ ሸኽ ዳውድ ናይ ዓድ ሰይድና ሙስተፋ ንከብቱ ክርኢ በዚ ዋልቃይት ከይዱ ዝነበረ ብኣኡ ዝምለስ መጸና።ብሓንሳ እናተዛወርና ከሎና ድማ ኣብቲ ለሰይ ኣነ ዝሓበርኩሉ ምስ በጻሕና ዓዋተ ስለምንታይ ኣብዚ ዔላ ዘይትዅዕት በሎ።ድሓን እፍትኖ ቢሉ ድማ ናባይ ተገልቢጡ ካብ ቤተ ሰብካ ኣምጺእካ ዘይትፍትኖ በለኒ።

ካብዚ ከይደ ንኣቦይን ካልኦት ዓርባዕተ ብለን ሒዘሉ መጽኤ ። ካብዚ ምዅዓት ምስ ጀመርና መጀመርያ ተምርን ገለ ቢስኮትን ኣምጽኣልና። ኣበላልዓኦም ምስ ረኣየ ድማ ከይዱ ኢራብ ቀቲሉ ኣምጺኡ ስጋ ሃበና፤ክህበና ከሎ ድማ ሓንቲ ነገር ንክላበወኩም ኩናማ እንተመጹ ነዚ ስጋ ኣይተርእይዎም እንተረኣይዎ ግን ካብቲ ስጋ ሃብዎም ቢሉ ተላበወና ንኣይ ድማ ለኣኸኒ። ኣነ ከይደ ከሎኹ ብፆተይን ኣብ ዔላ ጕድጓድ ኣቲዮም ክኵዕቱ ከለዉ ኩናማ መጺኦም ከይተራእዩ ካብቲ ስጋ በሊዖም ከዱ። ሕጂ እቶም ብጮተይ ካብ ዔላ ምስ ወጹ ካብቲ ስጋ በልዑ።ካብዚ ሽዑ ንሽዑ ሓመሙ።በዚ እቶም ዓርባዕተ ሞቱ፣ ንኣቦይ ግን ብክንደይ ቃልሲ ዓዲ ኣብጻሕኩዎ።ዓዲ ኣብጺሐዮ ድማ ተመለስኩ።ነታ ዔላ ናራን ካልኦትን ኣኻኺቡ ኣውጺዋ እሞ እዛ ክሳብ ሎሚ ዔላ ሓምድ እትብሃል ንሳ እያ።

ኣነ ኣብዚ ክሰርሕ ከሎኹ እዞም ሰለስተ ሽፍታ ንከብቲ ዘረፉ ታሪኹ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ።እቶም ፖሊስ ድማ ምስ ተመላለስዎ። ንዓ ይብለኒ እዞም ፖሊስ ዘደቅሱኒ ኣይመስልን እሞ ከምቲ ስምምዕና ነቲ ምቅሊተይ ንኣንስተይ ትመቅለን ግን ድሕረይ እዞም ፖሊስ የቀምጡኻዶ ይኾኑ በለኒ።

እንታይ ክትገብር ኮይንካ ዓዋተ ክትሽፍትዶ ኮይንካ በልኩዎ።እድሪስ ሽፍታ ዝብልዎ መን እዩ ብሉ ሓቲቱኒ ባዕሉ ድማ ከምዚ እናበለ መለሸለይ። ሽፍታ ዝብልዎ ገንዘብ ሰብ ዝሰርቅ፣ ማል ሰብ ዝዘምት ዘይናቱ ዝደሊ ሰብ እዩ በለኒ። ኣነ ድማ ቅድሚ ሔዚ ገንዘብ ሰብ ወሲደ ዘይበላዕኩ እየ ምስ በለኒ እሞ እንታይ ክትገብር ኢኻ በልኩዎ።ደጊም ክንቃለስ ኢና በለኒ።

ዓዋተ ከምቲ ወልደሚካኤል ሰለሞን ከይገብሩኻ በልኩዎ። ንሱ ድማ ንስኻ ብሱል ሰብኣይ ኢኻ ነዚ እትፈልጥ በለኒ። ከማኡ ከየተዓሻሸዉኻ ኢኻ እትብለኒ ዘሎኻ እዚ ግን ኣይከውንን እዩ በለኒ።ነዚ ቢሉኒ ድማ ከደ። ድሕሪኡ 4 መዓልቲ ኣይጸናሕኩን ኣሲሮሙን።ተኣሲረ ድማ ኣብ ተሰነይ ሓደ ወርሒ ገበርኩ። ካብኡ እዚ መሓመድ ህሮዳ ኣመሓዳሪ ናይ ተሰነይ ዝነበረ፣እዚ ብለናይ እቲ ሓደ ድማ ብለናይ ዘይኮነ እንታይ ኣሎ ኣብ መንጎኦም ሸቃላይ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ ቢሉ ተዋሒሱ ኣውጽኣኒ።

ኣብ ግራውቲ ምስ ከድኩ ድማ ኵሉ ማል ኣጥፊአናኦ ጸንሓኒ።ከምዚ ቢለ ከሎኹ ገሉጅ ክመላለስ ከሎኹ ሓደ ሰብኣይ ናራ መጸኒ እሞ ደሓንዶ ኣሎኻ ወጺኢካዶ ዓዋተ ብኣኻ ይሓተኒ ነይሩ በለኒ። ኣበይ ኣሎ ምስ በልኩዎ ክትረኽቦ እንተደለኻ ንዓናይ ምሳይ በለኒ። በዚ ኣብኡ ኣብጽሓኒ ኣብ ጋሽ ጸንሓኒ እሞ ኩሉ ዝኾንካዮ እስምዖ ነበርኩ ሕጂ ድማ ይከኣለካ እንተኾነ ምሳይ ዘይከኣለካ እንተኾነ ድማ ንሱዳን ወይ ንኢትዮጵያ ኪድ ኣብዚ ከቀምጡኻ ኣይኮኑን በለኒ። መሳኻ ከይጋደል ኵነታት ኣሕዋተይ ቅድም ዝነገርኩኻ እዩ፣ ኣነ እንተዘየሎኹ መን ከዕብዮም ምስ በልኩዎ 50 ብር ኣውጺኡ ሂቡኒ ደጊም ኣብ ዝደለኻዮ ኪድ በለኒ። ካብዚ ንሑመራ ከድኩ እሞ ኣብ ሑመራ ስሪሕ ነቢረ ገንዘብ ገበርኩ ኣብኡ ከሎኹ ድማ ውጽኢት ገንዘብ እሰደሉ ነበርኩ።ከምኡ እናገበርኩ እንኪነብር ነጻነት መጸ ድሓር ወያኔ መጺኦም ኵሉ ገንዘበይ ወሲዶም ሰጕጎሙኒ ኣብዚ ተመሊሰ እነብር ከሎኹ፤ ኣብዚ ሻዕቢያ ኣሰሩኒ ካብኡ ሕጂ ወጺአ ረኺብካኒ ይብል።

ካልእ ሓደ ተለንተ ኣረጊት ትግራዋይ ኣሎ።  ንሱ ኣብዚ ማሕበር ኣንድነት ሸፋቱ ኣብ ዝነበሩሉ ናቶም ኣካይዳ ከመይ ከምዝነበረ ንምጥያቕ እየ ዝጸዋዕኩዎ።ኣብ ኣስመራ ኣብ ገዛይ ወሲደ ቡን እናኣስተኹዎ ከዕልሎ ከሎኹ ንሱ ቅጽርና ክሳብ 6000 ይበጽሕ ነበረ ይብል። ንኣና ዘበገሱ ድማ ኢትዮጵያን ማሕበር ኣንድነትን እዮም ይብል።ኣነ ከምኡ ዝብለካ ዘሎኹ ድማ ማሕበር ኣንድነት ገንዘብን መግብን ኣፋውስን ይሰዱልና ነበሩ ምስ እንዋጋእ እንግሊዝ ኣፋውስ ይሰዱልና ነበሩ፤ ኣነ ንባዕለ ተወጊአ ኣብዚ ድርፎ ብዙሕ ግዜ ጸናሕኩ።ማሕበር ኣንድነት ኣፋውስን ሓኪምን እናለኣኹ ኣሕወዩኒ ፈደረሽን ምስ ቆመ ክልተ ኮረነላትን ኣምሓሩ መጺኦም ኣኪቦሙና መንግስቲ ምሒሩኩም ኣሎ እሞ ካብዚ ንደሓር ንኽእል እትብሉ ኣብ ጦር ሰራዊት ተመዝገቡ ኣይከኣለና እትብሉ ድማ ንብረቱኩም ግበሩ በሉና። እቲ ዝነበረ ምርጫ ጦር ሰራዊት ፖሊስ ኣብ ንብረትካ ምኻድ ካብዚ ኣነ ኣብ ፖሊስ ተኸተብኩ።ሕጂ ብናይ ፖሊስ ክነዕልል ከሎና ብዛዕባ ዓዋተ ዓልዓለለይ። ትፈልጦ ዲኻ በልኩዎ።

እወ እፈልጦ ኣብዚ ኣስመራ በለኒ።ምስ ሸፈተ ምስኡ ምእቲ ሰብ ክነሱ እንተ ገጠምካ ንሱ መይቱ እቶም 99 እንተረፉ ተዓዊትካ እቶም 99 መይቶም ንሱ እንተተረፉ ፈሺልካ ንብል ነበርና። ሓያል ሰብኣይ ነበረ ተኵሱ ዘይስሕት ጨካን ዘይዛረብ እንተ ተዛሪቡ ኸኣ እተን ዘረባኡ ሒደትን ቁም ነገርን እየን።

ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ

ቅድሚ ፈደረሽ ሕዝቢ ኤርትራ ኣስላምን ክርስትያንን ኮይኑ ተመቃቀለ።ማሕበር 7 እዚ ኣስላምን ክርስትያን ዝብል ነገር ክፍእ ኣለዎ ሓደ ሕዝቢ ክንከውን ኣሎና ዝብል ኣብ ፕሮግራሞም ነበረ። እድሪስ ሓመድ ኣድም እዚኣቶም ጸጋማውያን እዮም ንኣሽቶ እዮም ይብል ነበረ። ስለምንታይ ከሙ ዝበለ ሓመድ ስዒድ ናውድ  ስሙ ሰሚዕኩም ትኾኑ። ንሱ ካብ ሳሕል ቤት ኣስገደ ነበረ ኣብ ሱዳን ብዙሕ ዓመታት ዝገበረ እዩ። ኣባል ናይ ሱዳን ኮሙኒስቲ ፓርቲ ነበረ።ንማሕበር 7 እንከቋቍሙ ብዓል ሳልሕ ኢያይ ንሱ ኣብ መሪሕነት ነበረ። ሕጂ እዚ ማሕበር 7 ፕሮግራሙ ክፉእ ኣይነበረን።ቀዳማይ ስጉምቲ ሓድነት ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያን። በዚ ክውድቡ ከለዉ ንኣስላምን ክርስትያንን ብሓደ እዮም ዝውድብዎ ዝነበሩ።በዚ ድማ ጽቡቅ ሰጕሞም ነበረኡ።

እምብኣር ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ንሶም ጀሚሮምዎ እተዝኾኑ እዚ ጸገም ኣይመጓነፈን እብል ብርኢቶይ። እቶም ጀብሃ ግን መጀመርያ ኣብ እድሪስ መሓመድ ኣድም ኣብ ካይሮ ማእከላይ ባይቶ ኣቆሙ። ኣብዚ እቲ ፎርመሽን ናይ ሰብ እውን እንተ ረኤኻ መብዛሕትኦም ኣብዚ ኣዝሃር ኣስላማዊ ዩኒቨርሲቲ ዝመሃሩ ኣስላም ነበሩ።ሰብ ሃይማኖት እዮም። ነዚ ማሕበር 7 ዝኣብይዎ ዝነበሩ ዝንባሌ ኮሙኒስት ኣለዎም ብምባል እዩ።

እዚኣቶም ከምዚ ኢሎም ከለዉ ኵሎም ተገላበጡ።ማሕበር 7 ቅድም ሽፍታይ እዩ ቢሎም መግለጺ ኣውጽኡ፣ ጸኒሖም ድማ ኣባልና እዩ ንሕና ኢና ዘበገስናዮ ቢሎም ኣብ ሜዳ ንኣኡ ዝደልዩ ሰብ ኣውጽኡ ግን ኣይረኸብዎን።እዞም ብዓል ኢድሪስ ሓመድ ኣድም ግን ቀጥታ ደገፍዎ።

ካብዚ እድሪስ መሓመድ ኣድም ንሱዑድያ ከደ።ምስ መንግስታት ክራኸብ። ኣብዚ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝብሃል ምሁር ለባም ክኢላ ኣብ የመንን ሱዑድያን ዝንቀሳቀስ ኣሎ ንኣኡ ርኸቦ ይብልዎ። ኣብኡ ድማ ይረኽቦ። ኣብዚ ሳበ ሓሳቡ ንሕና ኤርትራ ውሑዳት ስለዝኾነ ንዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተጨቍኖም ዝነበሩ ዘለዉ ኣስላም ወድብና ምስኦም ብምውህሃድ ክንዕወት ንኽእል ይብል ነበረ።

እድሪስ መሓመድ ኣድም እንታይ ዓይነት ሰብ ነበረ። መጀመርያ ዕቡይ feudalist ግን ኣብ ሃገራውነት ሓያል እኳ ይንበር ብሓድነት ኤርትራውነት ዝመጸ ኣብ ክርስትያን ጨሪሹ እምነት ኣይነብሮን። ካብዚ ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ንነጻነት እስላም ኣብ ኢትዮጵያን ንዝነበሩ ንምቅላስ ንዝኣምን ምስ ተራኸበ ንሱ ንሳበ ንሕና ንነጻነት ኣስላም ኣብ ኢትዮጵያን ንዝነብሩን ንቃለስ ምስ በሎ። ኣስላም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ውጹዓት ምዃኖም ንፈልጥ ግን ዕላማና ምስ ነጻነት ኣስላም ኢትዮጵያ ሓንቲ ርክብ የብሉ ቢሉ ተቃወሞ። ከመይ ንሕና ንቃለሰሉ ዘሎና ዕላም ኢትዮጵያ ንፈደረሽን ኣፍሪሳቶ ቢልና እና እንቃወም ዘሎና በሎ።

ካብዚ እድሪስ መሓመድ ኣድም ምስ ግላውዴዎስ ተመሃራይ ሕጊ ኣብ ግብጺ ምስ ዝነበረ ተራኸበ። ሕጂ እድሪስን ሳበን ግላውዴዎስን ነቲ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ሓዲጎም ባዕሎም ንዝኾነ ሰብ ከይተወከሱ ላዕለዋይ ባይቶ ኣቍሞም ኣወጁ።ንጀብሃ ፖሊቲካል ፕሮግራም ዝብሃል ኣየውጽኡን።በዚ ኸኣ ንሃገራውነት ነፍሲ ወከፍ ብመንገዱ ይገልጾ ነይሩ ማለት እዩ።እምብኣር እዚኣቶም ክጅምሩ ከለዉ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣውጺኦም እንተ ዝኾኑ ጽቡቅ ምኾነ ነይሩ ግን ኣይገበሩን።

 ነዚ ክገብሩ ክእለት እውን ኣይነበሮምን። ካብኦም ሕልፊ ምሁር ዝነበረ ግላውዴዎስ እዩ።ግላውዴዎስ ድማ ካብ በጁክ ነበረ እድሪስ መሓመድ ኣድም ዝፈትዎ ጥራይ ክገብር ዝደሊ ነበረ። ሳበ ድማ ሰብኣይ ብዓል ባጽዕ ነበረ፡ እንታይከ ይሓስብ ነበረ። ኣብ ሜዳ ሓላፊ ኮይኑ ዝነበረ እድሪስ መሓመድ ኣድም እዩ፤ ንሱ ድማ ምስ እድሪስ ገላውዴዎስ ኣብ ካርቱም ኮፍ ኢሉ ምስ ዝነበረ ስምምዕ ገቢሩ ዝነበረ እዩ። ሳበ እንታይ ይጥምት ነይሩ ኣብ ሜዳ ንኣኡ ዝድግፍ ሓይሊ ክረክብ ይደሊ ነይሩ።

እምብኣር ካብ 1961 ክሳብ 1964 እቲ ቃልሲ ኣብ በርካን ሳሕልን ከባቢ ከረንን እዩ ዝነበረ።

ሕቶ፡ እድሪስ መሓመድ ኣድም እንታይ እዩ ዓሌቱ ነይሩ? ካብዞም ዓድ እኩት ነታብ እዩ ነይሩ። እቲ ጸገም ናይ ኢብራሂም ስልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድምን እዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብራሂም ሱልጣን ለበድ እዩ ነይሩ።ዓንጻር እዞም መሳፍቲ ቤት ኣስገደ ይቃለስ ነይሩ። እቶም ነታብ እውን ከምኡ እዮም። በዚ እንግሊዝ ንኢብራሂም ስልጣን ኣብ ምምቃል ኤርትራ ምስኦም ደው ክብል ይድልይዎ ነበሩ።እድሪስን ኣብራሂም ስልጣንን ግን ብጭራሽ ኤርትራ ክትምቀል የብላን ይብሉ ነበሩ።

ሕቶ፡ ነዚ ሓስብ ምምቃል ዘምጽአ መን እዩ? እንግሊዝ። ኣብ ምንታይ ተመስሪቶም? ብሓደ ወገን እንግሊዝ ኣብ ሱዳን ስለ ዝነበረ ነዚፈርያም መሬት ጋሽ ባርካ ምስ ሱዳን ክሕውስዎ ይደልዩ ነበሩ። ብካልእ ራቢጣ ኣስላም ነጻነት ኤርትራ ክደልዩ ከለዉ እንግሊዝ ነጻነት ኤርትራ ይደልዩ ኣይነበሩን።በዚ እዞም ነጻነት ኤርትራ ዝደልዩ እዞም ምዕራባዊ ቆላታት ዝነብሩ እዮም በዚ ንሱዳን ንሃቦም ብምባል እዩ።ኢትዮጵያ ድማ ንከበሳ ምስ ባሕሩ ትወስድ ዝብል ርኢቶ ነበራ። እዚ መርገጽ እንግሊዝ ዝነበረ እዩ።

እንግሊዝ በዚ ብዙሕ እዩ ሰሪሑ። እንግሊዝ በዚ ጕዳይ ንልዑል ስዩም ናይ ትግራይ ረኺቦምዎ ነበሩ።ትግራይ ምስ ናይ ኤርትራ ከበሳን ባሕሪ ወሲዳ ሓንቲ ሃገር ንክትከውን ንሱ ድማ ንጉሳ ክኸውን፡ምዕራባዊ ቆላታት ድማ ንሱዳን ንክወሃብ ተዛሪቦምዎ። ንሱ ድማ ከይዱ ንሓይለ ስላሴ ነገረ።ሓይለ ስላሴ ድማ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ብዘይመጠን ሓሪቁ ንእንግሊዝ ምስ ተዛረቦም እዚ ናይ ትግራይ ይትረፍ በሉ።

ካብዚ ኣብዚ ምምቃል ኤርትራ ንኢብራሂም ሱልጣን ብዘይመጠን እንግሊዝ ተቃለስዎ።ምስ ቀበጹ እንግሊዝ ንኢብራሂም ሱልጣን ብዘይመጠን ብርቱዕ ተሪር ደንቆሮ ሓሳቡ ዘይቅይር ቢሎም ጸሓፉ። ካብዚ እንግልዝ ንሙሳ ዓሊ ራድኣይ ሓዙ ኣብ ክንዲ ኢብራሂም ሱልጣን። ኣብ ምምቃል ኤርትራ ዝጣበቅ ንኣኡ ገበሩ። እዚ ድማ ነቲ ራቢጣ ኢስላሚያ ብርቱዕ ንዝነበረ ንክመቃቅልዎ ቢሎም እዮም። ተዓዊቶሙሉ ድማ።ሓዳ\ደ ካብኦም ዓሊ ራድኣይ ኤርትራ ትመቀል በለ።

ነቶም ናይ ባጽዕ ኣባላ ራቢጣ ዝነበሩ ድማ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ምስ ቅድመ ኵነት ከምዝብሉ ገበርዎ።ብዚ ነቲ ሓይሊ ራቢጣ ኣፋኾስዎ ማለት እዩ።እምብኣር  ጸገም መሓመድ ኣድምን ኢብራሂም ስልጣንን ኣብዚ ከለዉ እዚ ነበረ።እቲ ሓድ ሽማገለ እቲ ሓደ ድማ ትግረ ነበረ ጸገሞም።እንግሊዝ ድማ ብኣኡ ጽቡቅ ገቢሩ መዝመዞም።

እዚ ኢስላም ቢሉ ከታልለኩም ቢሎም ነቶም ሽማገለ እንግሊዝ ሓዝዎም።በዚ እዞም ቤት ኣስገደ ፕሮ ኢትዮጵያ ነበሩ።ንኢትዮጵያ ይድግፉ ነበሩ። ነቲ ሹሞም ከንተባይ ዕስማን ሓይለ ስላሴ ምስ መጸ ኣብ ናቅፋ በጽሖ እሞ እንታይ ትደሊ ምስ በሎ ሓንቲ ኣይደሊን ምስ ሞትኩ ጥራሕ ሰረሞኒ ክግበረለይ በሎ ተገብረሉ ድማ።

እዞም ፈረንሳን ካልኦት ሓይልታት ኣላይድ ብሰሜን ክኣትዉ ከለዉ እዚ ከንተባይ ዕስማን ምስኦም ቆይሙ ንኣኦም ይመርሕ ነበረ።እዚኣቶም ካብ ፖርትሱዳን ብናቅፋ መስሓሊት ገንፈሎም ገቢሮም ምስ ቀረቡ ጣልያን ኣብ ኸረን ዓሪዱ ዝነበረ ተዳህለ።

እዚ ላዕለዋይ ባይቶ ከይቆመ ከሎ ድሮ ዓዋተ መይቱ ነይሩ ኣይረኣዮን ኣይሰምዖን።ሕጂ ካብዞም ላዕለዋይ ባይቶ ዝብሃሉ መጀመርያ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝኣተወ ሳበ ነበረ።ንሱ ድማ እዩ ነቶም ተጋደልቲ ዝነበሩ ጋንታት ዝኣከቦም።ሓድም ዓዋተን እድሪስ ሓጅን መይቶም ጸንሑ።

ሳባ መጺኡ ነቶም ኣብ ሰራዊት ሱዳን ዝነበሩ ዝርኣዩ ዝረኣዩ ዘበሉ ኣከቦም። ኣብዚ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን እቲ መሪሕነት ሜዳ በብታራ ንክኸውን ማለት ን6 ወርሒ ሓደ ክመርሕ ንካልእ 6 ወርሒ ድማ ካልእ ንክመርሕ ቢሉ ንኣቡጢያራ ሸይሙ ከደ። ሕጂ ኣቡጢያራ ማርያይ እዩ ነይሩ ኣነ ኣብ ሕይወተይ ከምኣቡጢያራ ዓሌተኛ ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን።ግን ተዋጋኣይ እዩ።

ንሱን ዕመር እዛዝን ብኡሳት ነበሩ።እቲ ባእሶም ካብ ምንታይ ይብገስ።ኣብቲ ግዜ ሳበ ንኣቡጢያራ ሸይሙሉ ዝኸደ ኣብ ገድሊ ክልተ ሓያላት መራሕቲ ንገድሊ ዘጽንዑ ሓደ ግንድፍል ምንዓምራይ እዩ ሓደ ድማ ዕመር እዛዝ ነበሩ። እዚኣቶም ንገድሊ ከመይ ገቢሮም ኣጽንዕዎ።

መጀመርያ ዓዋተ ቅልጢፉ ይግምግም ነበረ ይብሃል።እቲ ምኽትሉ ዝነበረ ሓምድ ሓጂ እንታይ ኢልዎ ተባሂሉ ይትረኽ። እዚ ግንድፍል ጎራሕ እዩ ዕድሜ እንተረኸበ ቁም ነገር ክገብር እዩ፣ እዚ ዑመር እዛዝ ህዉኽ እዩ ተመክሮ እንተወሰደን ዕድሜ እንተረኸበን ቁም ነገር ክገብር እዩ በለ ይብሃል።

እዚኣቶም እንታይ ገበሩ። መጀመርያ ዕመር እዛዝ ኣብ ሳዋ ውግእ ገበረ። ሽዑ ብረት ኣይነበሮምን ኣብዚ 10 ኣቡዓሸራ ሰለበ።ካብኡ ኣብ ሓልሓል 7 ጠበንጃ ወሰደ።ካብኡ እንደገና ኣብ ጀንገረን ምሉእ ማንኪና ንዝኸዱ ወተሃደራት ደምሲሱ ካብኦም ሓደ ጥራይ ሃዲሙ ዝወጸ ዝተረፈ ነቲ ብረቶም ብምልኡ ሰለበ። ኣብ ሰርጉን ድማ 12 ጠበናጁ ወሰደ።ኵሉ ድማ ኣቡዓሸራ ነበረ እሞ ገድሊ ብረት ረኸበ።

እዚ ግንድፍል ኣብ ሃይኮታ ጽሉል ተመሲሉ ኣቲዩ ነቲ ኣብ መኻዚኖ ዘሎ ብረት ብከመይ ከምዝወስዶ መጽናዕቲ ወሰደ።[1] ሽዑ ኣዛዚ ፖሊስ ኣብ ኣብ ሃይኮታ ዝነበረ ዓሊ ሰለሞን ካብዞም ኤሊት ነብረ። ሓደ ጽሉል መጺኡ ኣሎ ምስ በልዎ ኣምጽእዎ ዘይጽሉል እውን ክኸውን ይከኣል ምስ በሎም እናደረኹ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣእተውዎ እሞ ኮፍ በል ምስ በሎ ምስ ኵሉ ርስሓቱ ነጢሩ ኣብ ጣውላ ኮፍ ምስ በለ ንየው በልዎ ቢሉ ኣውጽእዎ።

እብዚ እንታይ ኣጽኒዑ እቶም ፖሊስ ሰዓት 9 ምስ ኮነ ብረቶም ኣብ መኽዘን ኣቀሚጦም ንሓደ ዋርዲያ ሓዲጎም ቦቻ ይጻወቱ ከምዝኾነ ርኣየ። ነዚ ምስ ረኣየ እንታይ ውግእ ኣድለየኒ ቅሩባት ተጋደልቲ ኣኻኺበ ንእውቶቡስ ደው ኣቢለ ንሕዝቢ ኣራጊፈ ንኣኣ ሕዘ ብምእታው ነቲ ዋርዲያ ቀቲለ ንብረት ካብ መኽዘን ዘሪፈ በታ ኣውተቡስ ኣርሒቀ እኸይድ ቢሉ መዲቡ መደቡ ገበረ።

እዚ ኵሉ ብረት ተኣኻኺቡ ድማ ድልዱላት 5 ጋንታ (ፈሲለት)ከቁሙ ክኣሉ።በዚ ድማ እዩ ጀብሃ ቍሩብ ክትንቀሳቀስ ዝከኣለት።እዚ ኵሉ እንኪኸውን ድማ እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ብዓል ሳበ ኣብ ደገ ይንቀሳቀሱ ነበሩ እምበር ካብ ደገ ኣብ ሜዳ ኣቲዮም ፕሮግራማት ክገብሩን  መምርሒ ከውጽኡን ክመርሑን ኣይተንቀሳቀሱን። እቲ ዓብይ ጸገም ድማ እዚ ነበረ።

ካብኡ 1965  እዚ ክፍሊታት ዝብሃል ኮነ።ክፍሊ 1 ጋሽን በርካን ነበረ ክፍሊ 2 ከረን ክባብን ሳሕልን ማርያን መንሳዕን ነበረ ናይዚ መራሒ ድማ ዕመር እዛዝ ነበረ።ዕመር እዛዝ ካብዞም ዓድ ገብሻ ዝብሃሉ እዩ። ዕመር እዛዝ እንታይ ዓይነት ሰብ ነበረ። መጀመርያ ምጥፋእ ድንቍርና ንዝብሃል ኣብ ሜዳ እዩ ዝገበረ።

ሕጂ ዕመር እዛዝ እቲ ኵሉ ብረት ምስ ኣከበ ኣቡጥያራ ምስ ናይ ኣቡሸነብ ጋንታ እዩ ዝኸይድ ዝነበረ።ኣቡጥያራ  ነዚ ዕመር እዛዝ ዝኣከቦ ብረት ወሲደ ነዛ ናይ ኣቡሸነብ ጋንታ ብብረት ክመልኣ ደለየ።ካብዚ ኣኼባ ተባሂሉ ዕመር እዛዝ ሰቡ ሒዙ ንባርካ ይወርድ እሞ ምሸት ኣቡጥያራ ይመጾ።እዛ ጋንታ ኣቡሸነብ ገዳይም ተጋደሊት ዘለዋ ካብዚ ብረትካ ወሲደ ንኣኣ ከደላድል ይብሎ።ዕመር እዛዝ ድማ ተቀቢሉ ነዚ ተጋደልቲ ብሓይሎም መንዚዖም ወሲዶም ዝተዓጥቁዎ ብረት ካብኦም ኣራጊፈ ንኣኻ ኣይህበካን በሎ።እንተደለኻ ምስ ሰቡ ነቲ ብረት ውሰዶ ንሰብ ድማ ድሓር እንታይ ትገበሮ ባዕልኻ ተፈልጥ በሎ።ኣብዚ ኣይተሰማምዑን። ካብዚ ኣቡጢያራ ከይዱ ንጋንታ ኣቡሸነብ ገብሩ ንዕመር እዛዝ ክቀትል ኣምቡሽ ይገበር።

ኣብዚ እዚ ክቡብ ሓጃጅ እንታይ ኣሊዩ እዚ ድብያ ንመን እዩ ቢሉ ይሓትት።ኣምብኣር ኣቡጢያራ ምእንታን ከይፍዳሕ ነቲ ኣምቡሽ የልዕሎ።ኣብ ቦታ ኣኼባ ድማ ይመጹ። ሕጂ እዚ መሓሙድ ዲናይ (መራሕ መስሪዕ) ድሓር ናይ 1 ክፍሊ ሓላፊ ዝኾነ ኣልመዳይ ካብ ምናዓምር ነበረ እሞ ተንሲኡ እዚ ጕዳይ ኣቡጢያራን ዕመር እዛዝን ነዚ ዕላማ ሳውራ ከፍሽል ይኸይድ ኣሎ  እሞ ዕመር እዛዝን (መራሕ ጋንታ) ኣቡጢያራን (ጠቅላላ መራሕ) ኣብ ትሕቲ እታ ባንዴራ ከድኩም ብረትኩም ኣውርዱ ይብሎም ።ነዚ ክብል ከሎ ድማ ምስ ኣቡጥያራ ተሰማሚዑ ኣሎ ማለት እዩ። ኣቡጥያራ ተንሲኡ ብረቱ የውርድ።ዕመር እዛዝ ኮፍ ቢሉ ይጥምት።ዺናይ ንዕመር እዛዝ ኣውርድ ይብሎ።ዕመር እዛዝ እዚ ኣቡጢያራ ተሰኪምዎ ዘሎ ብረት ንኣይ ክቀትል ኣይኮነን፣ እዚ ኣነ ተሰኪመዮ ዘሎኹ ብረት እውን ንኣቡጢያራ ክቀትል ኣይኮነን፣ እሞ ንብረት ኣየውርድን ይብል። ሕጂ ኣቡ ሓጃጅ ተንሲኡ ዲናይ ዎኣቡጢያራ ደምተሓለቦ ነዚ ሓሪራይ ክታስሩ ዲዩ እዚ ኵሉ ሁከት ሓሪራይ ብረትካ ኣይተውርድ ኣቡጢያራ ድማ ብረትካ ውሰድ ይብሎም።

እዚ እናኮነ ድማ ኣቡሸነብ ዘይጸንሐ ይመጽእ እሞ እንታይ እዩ እዚ ዘረባ ይብል። እዚን እዚን ቢሎም ድማ ይነግርዎ። ኣቡሸነብ ሓሪቁ ዕመር እዛዝ ብስብእነቱ ብረት ኣከበ ኣነ ብስብእነተይ ብረት ክወስድ ኣይክእልንዶ ጋንታይ ዕመር እዛዝ ዝኣከቦ ብረት ክትዕጠቅ ኣይቅበሎን በሎም። በዚ እቲ ኣኼባ ይብተን። ጸገሞም ድማ ኣብዚኣ ይጅመር።

ዚያዳ ድማ እዚ ጸገሞም እቲ ክፍልታት ምስተቋቈማ ይልዓል። ማርያ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ናይ ከባቢ ከረን ነበረ፣ ኣቡጥያራ ድማ መራሕ እዚ ክፍሊ ክኸውን ይጽበ ነበረ ላዕላይ ባይቶ ግን ንዑመር እዛዝ መደቡ።ኣቡጥያራ  ተጸልሉ እሞ ኣብ ሜዳ ዕግርግር ከይገብረሎም ቢሎም  ኣብ ሶርያ ክትዕለም ቢሎም ወስድዎ። ኽፍሊታት ምስቆማ ድማ መራሕ ጋንታ ከቢድ ብረት ገበርዎ።

ሕጂ ኣቡጥያራ ንማርያ ዘበሉ ዕመር እዛዝ ኣዛዚ ማርያ ኣይኮነን ኣይትስምዕዎ ኣይትተኣዘዝዎ እናበለ ወድቦም።ክውድብ ከሎ ግና ማርያ ቀያሕ ኣብ ሓልሓል ዝቀርቡ ኣይተቀበልዎን።ማርያ ጸላም ግን ምስኡ ኮኑ።እዚ ዑመር እዛዝ ክሳብ ዝመውት ከምኡ ቢሉ ጸንሐ። እዚ ኵሉ ድማ እቲ ላዕለዋይ ባይቶ ፕሮግራም ከምዘይገበረን ንመርሕነት ሜዳ ከምዘይተቈጻጸረን ይገልጽ።

ካብዚ ንሜዳ ክመርሕ ሓደ ወትሃደራዊ ሽማገለ ቅያዳ መርሕነት ሰውራ ኣብ ከሰላ ኣንበሩ።እድሪስ መሓመድ ኣድምን መሓሙድ ዲናይ ምናዓምር ስለ ዝኾነ ከትሊ ነበሮም  ክፍሊ 2 ድማ ኣብ ግላውዴዎስ ትሕመ ነይራ ብጁካ ይ ስለዝኾነ ንሱ ግን ሓንቲ ኣይገብርን ነበረ። ሳበ ድማ ን4ይ ክፍሊ ብታሕቲ ታሕቲ ንሰብ ሰመሃር ብገንዘብ ኮነ ብመድሓኒት ብመሳርያ ጽቡቅ ገቢሩ ይሕግዞም ነበረ። ድሓር ንስሉሳዊ ሓድነት 3ን 5ን 4ን ንዘቁምዎ እውን ሳበ ፕላን ዘውጽኦ እዩ።እቶም ካልኦት ብዓል እድሪስ ግን ሓንቲ ኣይነበረን ኣብ ኢዶም፤ ክህቡን ክኸልኡን ኣይከኣሉን።

በዚ እቲ ጸገም ናይ ተጋደልቲ ኣብ ውሽጢ ዘይኮነ ናይ መሪሕነት ኣብ ደገ ዝነብሩ ነበረ።እቲ ጸገም ናይቲ ላዕላይ ባይቶ እዚ ነበረ። እቲ መሪሕነት ሳውራ ኣብ ከሰላ ዝነበረ ኸኣ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን ነበረ ምኽንያቱ ኣብ ኢዱ ሓንቲ ኣይነበሮን ብረት ይኹን ገንዘብ ከማኡ መድሓኒት እውን።

ነዚ ኵሉ ከምድላዩ ዝገብር ዝነበረ ሳበ እዩ። ሳባ እንተደለየ ነቶም ቅያዳ ሰውራ ዝብሃሉ ገንዘብ ይሰደሎም እንተደለየ ድማ ይዓግቶ ደው የብሎ።

 

 



[1] ኣብዚ ነዚ መጽናዕቲ ቅድመ ዳህሳስ ገቢሩ ዘሎ ተኽእሎ ተገንዚቡ መጽናዕቲ ንክገብሩ ዝቐረቦ መብራህቱ ከምዝነበረ ባዕሉ ተረኸለይ። ንሱ ብረት ስለ ዘይነበሮም ጃለ ኮይኑ ምስ ተጋደልቲ ዝኸይድ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብ ከባቢ ሃይኮታን ጎኚን ዕጣን ዝሰሪሕ ተመሲሉ ኣብ ሃይኮታ ብምምልላስ ቋንቋ ትግሪኛ ስለ ዝዛረብ ምስ ፖሊስ ይላለ እሞ ወትሩ እቶም ፖሊስ ብዘይካ ዋርዲያ ኣውቶቡስ ካብ ኣስመራ እናክትመጽእ ቡስጣ ንክቅበሉ ኣብታ ኣውተቡስ ዕጉግ ቢሎም ከምዝመጹን ኣብ ኣውቶቡስ መርዓ ዝወርዱ ተመሲሎም ተጋደልቲ እንተኣጥቅዕዎም ተዓዊቶም መኽዘን ክዘርፉ ከምዝኽእሉ ገለጸሎም። እቲ መጽናዕቲ ተገብሩ ተተግቢሩ ብኣውተቡስ ኣርሒቆም እንኪኸዱ እታ ኣውተቡስ ኣብ ሩባ ጋሽ ተሽኺላ ከምዝኣበየቶሙን ነቲ ብረት ብምልኡ ወሲዶም ኣርሒቆም ንክሓብእዎ ምስ ፈተኑ በዚሕዎም መብራህቱ 7 በረት ምስ ጠያይቱ ተሰኪሙ ከምዝወጸ ይትርኽ። ኻብኡ ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጽሑ ሕጂኸ ብረት ትህቡኒዶ ምስ በሎም ንመጀመርያ ጊዜ ናቱ ብረት ከምዝተዋህቦ ተረኸለይ።