Friday 28 August 2020

On the 'Agazian' Roots መብቆል 'ኣጋዝያን'

 To the so-called 'Agazian' and their sponsors in Tigray. If you want to go back to your roots, go to Yemen. Yet another, Ethiopian source, of the many proofs that Agazian is the name of a tribe in Southern Arabia that migrated to our region. And to the Tigrians who deny any links to Arabia:

እቶም ኣጋዝያን ኢና ትብሉ፤ ኣብ ኤርትራ ምንባር እንተጸሊእኩም ናብቲ ዝመጻእኩምሉ ዓዲ የመን ተመለሱ ጻዕዳ ይግበረልኩም። እዚ ሓደ ካብቲ ቡዙሕ መርትዖታት ዝጠግስ እዩ፤ ማለት ኣጋዝያን ካብ ደቡብ ዓረብ ወይ የመን ዝፈለሱ ዓሌት ምዄኖም ዘረጋግጽ እዩ። እዚ መጽሓፍ ኣብ አዲስ አበባ ዩኒቨርስቲ ከም ቃንዲ መወከሲ ናይ ታሪኽ ትምህርቲ ቀዳማይ ዓመት ይጥቀሙሉ። እዚ ጽሑፍ እዚ ነቶም አብ ትግራይ ኮይኖም ምስ ደቡብ ዓረብ ወይ የመን ርክብ የብልናን ዝብሉዉን ይምልከት።
-------------------------------------------------------------
ናብ ኢትዮጵያ ዝፈለሱ ቀቢላታት ብዙሓት’ኳ እንተነበሩ፡ ሎሚ ግን ካብኣቶም ክልተ ጥራይ ኢና እንፈልጥ፡ ሓበሻትን ኣግኣዝያንን (ጋዘ)። እቲ ቀዳማይ ብሓደ ናይ ደቡብ ዓረብ ውራቕ (ዝተወረቐ ጽሑፍ- inscription) ክምስከረሉ ኸሎ፡ ናይቲ ካልኣይ ግን በቲ ኣብ ኣዱሊስ ዝርከብ “ውቕሮ” ናይቲ ዘይተፈልጠ ሃጸይ ኢትዮጵያ ዝተጠቕሶ ጥራይ ኢና እንፈልጦ። ኣብቶም ብ3 ቋንቋታት ዝተገብሩ ናይ ንጉስ ኢዛና ውቕሮታት፡ ሓበሻት ዝብል ስም ሓንሳብ ጥራይ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብቶም ቋንቋታ ሳባውን ግእዝን ጽሑፋት ኢዩ። ኣብ ኢትዮጵያውያን “ኣግኣዝያን” ዝብል ቃል ህቡብ ኢዩ። ጥንታዊ ቋንቋኦም ግእዝ ይበሃል፡ ኣብ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጽሑፋት ድማ ንመሬቶም “መሬት ኣግኣዝያን፡” ወይ “ብሔረ ኣግኣዝያን፡” ኢልካ ናይ ምጽዋዕ ዝንባለ (ኣዝማምያ) ኣሎ። ሓበሻት ግን ኣብ ወግዓውን ስነ-ጽሑፍ ተጎስዩ። እቲ “ጋዘ” ዝብል ቃል ከም ወግዓዊ መጸውዒ ጥንታዊ ይመስል። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ናይ ኣዱሊስ ውቕሮ ሓተታ ዝሃበ ሰብ፡ ነዚ ቃል ምስ ኣኽሱምን ከባቢኡን ኣተኣሳሲሩ ስለዘላልዮ። ሎሚ እዚ ቃል’ዚ ዝተለወጠ መልክዑ፡ ኣብቲ “ኣከለ ጉዛይ፡” ዝብል ንመላእ ዞባ ደቡባዊ ኤርትራ ዝምልከት መጸውዒ ንረኽቦ። እዚ ድማ ምስ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ዝተኣሳሰረ ነበረ።

ኣብ ኣውራጃ (ክልል) ትግራይ ሓደ “ሳሓርት፡” ዝበሃል ወረዳ ኣሎ። ኣብ የመን ድማ፡ ብሓደ ዓይነት (ተመሳሳሊ) ስም ማለት “ሰሓርታን” ዝበሃል፡ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ፡ 75 ኪ/ሜ ካብ ሑደይዳ ርሒቑ ዝርከብ ቦታ ኣሎ። ኣብ ጥቓ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሳሓርት፡ ሓደ ሓውዜን ዝበሃል፡ ቀደም ኣገዳስነት ዝነበሮ፡ ቦታ ኣሎ። እዚ ድማ ካብቲ ደቡባዊ ሓውሳን ዝበሃል ናይ የመን ክፋል ኢዩ። ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ይሓ፡ ሓደ “ማዳራ፡” ዝበሃል ቦታ ኣሎ። ኣብ ሓደ ደቡብ የመንዊ ውቕሮ (ካትባን) ድማ ሓደ ብተመሳሳሊ “ማድራን” ዝበሃል ቦታ ተጠቒሱ ይርከብ። ካብ ይሓ ሰሜናዊ ምዕራብ ሓደ ኣሕሰኣ ዝበሃል ወረዳ ኣሎ። እዚ ምስቲ ኣብ ቲሓማ፡ የመን ዘሎ፡ “ኣሕሲያሕ፡” ዝበሃል ቦታ ይመሳሰል ወይ ይጋጠም። ኣብ ጥቓ ሰንዓፈ፡ ኤርትራ፡ ሓደ ኣብ ጥንቲ “ኮሎየ፡” ዝበሃል ዝነበረ ቦታ ኣሎ። እዚ ምስቲ ኣብ ካታባን ዝርከብ “ኩላይ” ይመሳሰል። ሰራየ ዝብል ስም ካብቲ “ሳርዋን” ዝብል ናይ ጎቦታት ሳራት ኣብ የመን ዝመጸ ኢዩ። ካልእ “ቢሻ፡” ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ኣብ መንጎ ኣቑርደትን ከሰላን (ሱዳን) ዝርከብ ቦታ፡ ምስቲ ኣብ ማእከል የመን ዝርከብ “ባሒላሕ” ዝበሃል ቦታ ይመሳሰል ወይ ይተኣሳሰር። ብተወሳኺ እቶም ሰፈርቲ ንፈለግ (ወይ ሩባ) መረብ፡ ብዝኽሪ ናይቲ ፍሉጥ ሓጽቢ “ማሪብ” ኢሎም ሰምዮሞ።

ብዘይካ’ዞም ተመሳሰልቲ ኣስማት ቦታታት፡ ካብ ደቡብ ዓረብያ ብዝመጹ ህዝቢ ስደተኛታት (ወይ ፈለስቲ) ዝተመስረታ ከተማታት ኣለዋ። ሓንቲ ኣብነት ይሓ ኢያ። እቲ “ኣዋም፡” ዝብል ኣብዚ ቦታ ኣብ ዝርከብ ሳባዊ ውቕሮታት ዘሎ ስም፡ ምናልባት ስም ናይቲ ኣብ ይሓ ዘሎ ቤተ-መቕደስ ኮይኑ፡ ስሙ ካብቲ ኣብ ማሪብ ዘሎ “ኣል ሙቓሕ፡” ዝተባህለ ቤተ-መቕደስ ዝተወስደ ኢዩ። እዚ ስም መበቆሉ ካብ ደቡብ ዓረብያ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና። ይሓ፡ እቶም ካብ ደቡብ ዓረብያ ዝመጹ ስደተኛታት ማእከላይ ቦታኦም ኣበይ ከምዝነበረ፡ ገለ ኣመት ትህበና ኢያ። ነዚ ዕላማ ኩሉግዜ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ሕርሻዊ ተኽእሎታትን ዘለዎ ቦታ ይመርጹ ነበሩ። ኣብ እግሪ ሓደ እምባ ዝተደኮነት ኮይና፡ ኣብ ምብራቓ ወሓዚ ሩባ ምስ ሰፊሕ ሰጣሕ ጎልጎል ይርከብ። እቶም ሰፈርቲ ነቲ እምባ ከም መከላኸሊ ከም ዝተጠቕሙሉ ብሩህ ኢዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ኩለን’ተን ቅድመ-ኣክሱም ዝነበራ ኢትዮጵያውን ከተማታት ይርአ። እተን ደቡባዊ ዓረብያዊ ኣሰራት ዘለወን ማእከላት፡ ንስፍሓት ናይቲ ካብ ደቡባዊ ዓረብ ዝመጹ ሰፈርቲ ዝሓደግዎ ጽልዋ፡ ብሓርፋፍ ንኽንግምት ክሕግዛና ኢየን። እዚ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ባርካ ምዕራብ ፈለግ ተከዘን ይዝርጋሕ ነበረ። ኣብዚ ህሉው ግዜ ግን ንስፍሓት ጽልዋ ደቡባዊ ዓረብ ንምግላጽ ኣሸጋሪ ይኸውን።
--------------------------------
Source: Ancient and Medieval Ethiopian History to 1972 by Sergew Habte Sellasie p. 27-30




No comments:

Post a Comment