Wednesday 28 October 2020

Unfiltered notes on the Beni Amer in Tigrinya by Abba Kibrom Tseggai

Unfiltered notes on the Beni Amer in Tigrinya by Abba Kibrom Tseggai 

based on a local history research

مخطوطة عن البني عامر بالتقرنية كتبها أبا كيروم ظغاي من خلال بحث للتاريخ المحلي

ምናዓምር




ኣሸራ 17/7/82

ባህሊ

በየድ አረይ ንደጊያት ኃይሉ ክሕግዝ ኣንጻር ራእሲ ወ/ሚካኤል ክዋጋእ ምስ ሞተ ወዱ ሕመድ አረይ? ኣብ ሳብዕቱ ንሬሳኡ ዘምጽኤ ካብ ግብሪ ናጻ እብሎ ስለ ዝበሎ ንኣብ ራዪት ኣቦኡ ከይዱ መሽሚሹ ንዘሎ ካብ መቃብር ኣውጺኡ ኣብ ኣምበየድ ቀበሮ። በዚ ካብ ግብሪ ነታብ ናጻ ኮነ። ብዝጸርፍዎ ድማ ወድ ረፋዕ ግናደት ተባህለ።

ኣብ ረይት በዚ ገጽ ካብ ነታብ ምስ ረኸበ ሕሱም ኮነ። ንኣብነት ሰብ ዓድ ዘማት ንኣድማይ ክሓርሱ ምስ መጹ ኣብኡ ንናውቲ ዓብዑር ሰቂሎም ንዝሓደግዎ ድኅሪኦም መጺኡ ብምዝማት ንዓድ ደማት ወሲዱ ንሰብ ይዕድሎ ነበረ።

እግልና ሓርም ሓቴ ኢወደና ማል ክስተናይ ምንድንበልዕ ቢሉ ደፊሯብ ምዝራብ በጺሑ ነበረ።

ብዙኃት ኣወዳትን ኣዋልድን ወሊዱ ነበረ። ግዳ ሎሚ ኵሎም ጠፊኦም ሓደ በሃመድ ሓምድ ኣብሪት ተሪፉ ግራውቶም ወሪሱ ኣብ ዳመር ኮይኑ ብብላዕ ርብዒ ይነብር ኣሎ። እዚ ድማ ሳዕቤ ሓራሙ እዩ። 

ካብ ነታብ ሎሚ ዘለዉ

ካብ ደቂ በየድ ሎሚ ዑስማን አረይ በየድ ዳመር - ቀሮትነጃር ይርከብ።

ባህመድ ሓምድ አረይ ኣብ ሕርኮክ ይርከብ

ሳልሕ ባህመድ አረይ ኣብ ከሰላ ይርከብ

ካብ ዓድ አረይ ሕመድ ፍካክ ሓመድ ሓምድ  ጸማም ሓልያይ ተሪፉ ኣሎ ኣብ ዓድ አረይ ይነብር ብዝተረፈ እቶም ዝሓልቡ ዝነበሩ ሰብ ሕንተተረ ገረዊት ደቂ ሓምድ እድሪስ ይርከብ።

ሽንግራ ተድሮስ ወይ ሕመድ ተድሮስ ዝብሃል ምናዓምራይ ጓሳ ናይ ቍርባን ዝነበረ ቀደም ኣምሓራ መጺኦም እንተባህለ ካብ ሺተል ናብ ኮከን ደጋ ንኸይድ ካብኡ ናብ ሆሻይት እውን ንበጽሕ። ብኣኡ ፉጅ ወይ ጎም ዝበሃሉ እንተመጹና ድማ ናብ ሺተል ንምለስ ነበርና። ኮከን መሬት ባደንን ባርን እዩ። በዚ ብጊዜ ጣልያን ንሳቶም -ደበን ጣልያን ወሰራ ደጋ ኮከን ወኢሓድራ ቢሎም ይሓልዩ ነበሩ ይብል።

ዓድ ሕመድ ኣብ ቁሽ ኣብዚ ሎሚ ቍርባን ዘለዎ ይነብሩ ነበሩ። ካብኡ ገርገር ምስ ጠዓሞም ኣብኡ ከይዶም ተቀመጡ። ንሶም ኣብ ቁሽ ከለዉ እዚ ቀሮትነጃር ኣእዋም ሸበት ጫዕተው (ቀንጠብ ጸዓዲት) ብትግረ ነጃር ዝበሃሉ ከም ዓርኮከባይ ነዋሕቲ ነበረ። ሓረምዝ ዓካዓካ (ሓጅር) ክበልዕ ምስ ዝደሊ ደፊኡ የውድቆ። ካብኡ ጸጊቡ ቁሽ ወሪዱ ማይ ክመጺ ከሎ እተን ማልና ይገልባ ቢሉ የድግም ነበረ።

ኣብዚ ግራተይ መቅጠን ይብል ቍርባን ኣናብስ ተባዕታይን ኣንስታይን ይነብሩ ነበሩ። ካብኡ ሕዳረብ ንእንበሳ ኣብ’ቲ ወሰን ተድሮስ (ኣቦኡ ንሽንግራ) ዝበሃል ኃያል ሰብኣይ ኢሎም ምስ ሓብርዎ ኣብኡ ምስ መጸ ተድሮስ ወፊሩ ምስ ወዓለእትው ቢሉ ካፍ ክብል ከሎ ማይ ከይሰተየ ኣንበሳ ብብርኩ ዓልዒሉ ኣብ ወሰን ኣውጺኡ ዓጠዓዒሙ ምእንቲ ክሕዞ ብዘንበሮ ተሮስ ብኢዱ ብዝጸፍዖ ንየው ኣብጽሖ። ሽዑ ቡዕ ቢሉ ከደ ይብል። ተዎድሮስ ድማ ንገዛኡ ተመሊሱ ብኣኡ ክሕንክስ ምስ ነበረ ሞተ። ተድሮስ ቀደም ምስ ፈረስ እንተተቀዳደመ ንፈረስ ብእግሩ ዝቅድም ዝነበረ ንኢራብ ድማ ኣርኪቡ ዝሕዛ ዝነበረ እዩ።

ሽንግራይ ወድ ተድሮስ ከምዝብሎ ዳውረት ምዓምር ኣብ ምድሪ ባደን ባር እናኸዱ ክሳብ ሥጋ ሰብ ጠቢሶም ይበልዑ ምንባሮም ይነግር።

ብተወሳኺ ኣብ’ቲ ልዕሊ ገዛኦም ቁሽ ዳውረት ሠፊሮም ከብቲ ይኹና ኣግማል ዝበልዑ ዝነበሩ ናይተን ዝበልዕወን እንስሳ ኣሳእል ከምዘሎ እንኪሕብር ናይቶም እተቀትሉ ዋናታተን ኣሳእል እውን ኣብ ከውሒ ተሳኢሉ ይርከብ ይብል።

ካብኡ ሓመድናካ ናድር መጀመርያ ኣብ’ዚ ልዕሊ ክፍለ ባርያይ ዝሓርሶ ግራት ስንሲ መትታዅ ሰፊሩ ኣጣየሶ።

ደጊያት ኃይሉ ኣብ ቁሽ ዳርጋ ዓመት ተቀመጠ። ወተሃደራቱ ንዓጣል ኣብ ክንዲ ዝሓልብወን ይልሕኩወን ነበሩ።

ዒን ሓሪስ ዔላ ኣቡነ ዮሓንስ ነበረት ሎሚ ነጽፋ የላን።

ርክብ ምናዓምርን ብሊን

ብሊን ምስ ምናዓምር ክትሊ ነበሮም። በዚ መሰረት ሊለት ዳመር ካብ ዓዲ ብሮት ኣብ ዓድ ኣረይ ሹሞም ኣተወት ክልተ ወለደት ሃህመድን ሓምድን።

መዲና ገንድር ዓድ ኢደከል ኣብ በየድ ጨማቍ ሕመድ (ገርገር) ኣቲያ ንእኩት ወለደት ውላድ የብሉን ባህልቢ ኤሎስ ኣተስከሮ።

ንዓይድብ ሓውቲ ሃኪን መዲን ውቤ ዝቀተሎ ኣብ እኩት በየድ ኣእቲዩዋ ነበረ። ንሳ ካብኡ ንዓሻ ትወልድ። ንዓሻ ድማ ሰይድና ዕስማን ዓድ ሸክ ካብ ሳሕል ተመርዒይዋ ንሰይድና መሓመድ ወለደት። ዓሻ ንሕመድ አረይ ጓል ሕውቦኡ ስለ ዝነበረት ምስኡ ኣቀመጣ።

እዚ ክትሊ ግን ብዙኅ ኣይሰርሐን። መጀመርያ ኣብ ሕነ ኣሠናይ ዓብደርሩኅማን ዝሃረሞ ዓብደላ ወድ ኣስኮታ ምንዓምር ኣብ ከዋክን ኣብ ግራት ዓዲ ዓዋተ ማሕድሮ ንዝነበሩ ዑቍባተድሮስን መስቀል ተ/ሚካኤልን ብለይቲ ሓደጋ ወዲቆም ቀጥቂጦም መይቶም ቢሎም ሓደግዎም። ምስኦም ዝጸንሐ ጅሚዕ ዓብደል መሊቁ ወጺኡ መርድእ ኣውጺኡ ቀልጢፉ ስለ ዝተረድኡ ደሓኑ።

እኩት ንዝሃረሙን ንናውቲ ማሕረስ ዝሰርቁን ክሕብር ምስ ተሓተ ብምእባኡ ንክትሊ ጠለመ።

ሕመድ አረይ ድማ ምስ ዓጠል ብሊን ዝሰረቁ ብልዕ ውዒሉ ኣብ ሩባ ኣሸራ መጺኡ ስለሙን ክሕብር ምስ ሓተቶ በርካ ባባቱ ብዙኅቱ ባደኑ ወባርያኡ ብምባሉ ተቃበጹ። ጽኒሑ ወድ በዳር ማሕሙድ ምስ ዑ/ተድሮስ ዓረኸ። ካልኦት ድማ እዚ ቀደምን እንታይ ገይሩ ሎምን እንታይ ይገብር ቢሎም ክዛረቡ ተፈልጠ።

እዞም ምንዓምር ንመሬት በርካ ናብ ነፍሶም ክመልሱ ናቶም ታሪኽ ይህብዎ።

እምሸሪፍ ንፈቅያ ብሮት  ሸብቍ ይብልዎ። ሸኽ ሸሪፍ ዝበሃል ኣብ’ቲ ተርተረት ፈቅያ ብሮት ተቀሚጡ ነበረ። እቲ ዓዲ ድመል ድሉኵ ኣብ ትሕቲ ኩርባ ነበረ፣ ሎሚ ድማ ዓድ ዓረይ ኮይኑ ይርከብ። እቲ ሽኽ ኣብ’ቲ ኩርባ ዝሰግደሉ ኣብ ከውሒ ኣጻብዑን ኣብራኹን ተቀሪጹ ኣሰሩ ይርአ። ከማኡ ኣብ ሺተል ኪንየውእምፍደላብ ከውሒ ሰይድና ምስተፋ ዝሰግደሉ ዝነበረ ብከማኡ ተቀሪጹ  ይርአ። ምስኡ እቲ ፈረሱ ደው ዝበለሉ ሾኾና ፈርሱ ኣሰሩ ይርኤ።

ኣብ ደምባዕ ስግር እቲ ሩባ ኣነ ባዕለይ ዝረኣኹዎ ዖና ቤተ ክርስቲያን ምርባዓት መንደቁ ተሸራሪፉ ነበረ። እብዚ እዩ ምናልባት ብሊን 7 ማርያም ቲኻ ዘሕለፉ። ሎሚ ኣሰሩ ኣይ ፍለጥን።

ቍርባን ዓዋተ

ሓጋዝ 2/10/83

ባህሊ

ብዘመን ጊላውደዎስ ሸካይ ካብ ተርቀ እዙዝ በየድ (ብውቤ ካብ 7 ኣሕዋቱ ንበይኑ ዝተረፈ) ምንዳል ሜካል፣ ኢያይ ተስፈስ፣ ጭሩም አወድ፣ ጭሩም መነዓይ፣ ሕመድ ሓረባ፣ ነጋሲ ደርማስ፣ ልጃጅ ትንስኤው ካብ ጣውቀ ነታብ በብጊዜኡ በብፍላይ እናዘረፉን ሰብ እናጨወዩን ንብሌን ስለ ዝሕሰርዎም ካብ ሺተል ተሓባቢሮም ኣባረርዎም። ኣብ ሆሻይት ድማ ኣስፈርዎም። በዚ ድማ ኣብኡ ክቅመጡ ሓምድ ወድ ደማት ብናፍቆት “ኢድግለል” ክብል ”ኢሺተል” በለይብሃል። ካብኡ ነታብ መኺሮም ኣብ ብሌን ከትሊ ደሊዮም ኣዋልድ ብሌን ኣእተዉ፤ ኣብ ሺተል ድማ ተመልሱ።

ሽዑ ዘእተውወን ኣዋልድ፡-

ካብ ዓዲ ሕዝባይ ሽዕበት ጓል ድለስ

ካብ ገብሻ ጓል ደሪዕ እዙዝ

ካብ ፈዛዕ ጓል ሓሳማ ነበራ፤ ካብ ወገን ተርቀ እውን ነይረን ሕጂ ኣይዝክረንን። ብሌን ግን ኣዋልድነታብ ኣየእትዉን ነበሩ ንዒቆምወን ኣይእሙናትን እየብ ብምባል።

ሓምድ  ሕመድ  ፋና

1/9/83

ባህሊ

ምምዳብ መሬት ዓድ ዓልበኪት

ኣብ ጊዜ ጣልያን ሕመድ አረይ ንዘማት ኡኩት ኣእሲሩ ምስ ተሾመ ንዓድ ዓልበኪት ምምሕዳር መቅርሓዮም። ነዚ ስራሕ ወኪል ንሓዉ ምንኣሱ ናፍዕ ገቢሩ ከፋፈሎም።እቲ ምክፍፋል ድማ ከምዚ ዝኽተል  ነበረ።

ዓድ ሕመድ  ሰብ ኣግማል ኢኹም ገርገር ተቀመጡ በሎም።

ዓድ ዕመር ሰብ ኣሓን ዓጣልን ኢኹም ዖብለት ተቀመጡ በሎም

ዓድ አረይ ወድ ሕመድ ፍካክ ብኣሓ ጽጉባት ኢኹም ኣብ ስምጥ ወድ ንሱር ተቀመጡ በሎም

ዓድ ደማት ወኡኩት ከብቲ ኣግማል ኣጣል ዝመልኣኩም ኢኹም ኣብ ሺተል ትሕቲ ፈለስቲ ተቀመጡ በሎም

ሕጅ ደቂ ቶተል አብረይት፣ ሓምድ ዓበ፣ ወበኪት፣ ሙሳ ወድ ሸንክሓይ ሃብታማት ሰብ ከብቲ ኢኹም’ሞ ካብዚ ዳመር ፈልከት ኣይትበሉ በሎ። ፍካክ ወድ ሙሳ (ትግረታይ እዩ) ዓብይ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ ንኣኡ ዳኛ ገቢሩ ናብ ዓድ ፍካክ መደቦም። ኣስፈዳይ ቤት ሓጪር ካብ ሳሕል ነበረ።ናፍዕ ወድ አረይ በዓል ከብቲ በር ዕረይ ዝነበረ ኣብ በርዕረይ ቦታኡ ሓዘ። ንፍካክ ወድ ሙሳ ግን ብላዕሊ ከምዝቅመጥ ገበሮ።

ንሱ ብከምዚ ምስ መደቦም ድሓር ጣልያን ብፍቃዱ ንመንሱራ ሰፊሮምዓዲ ገበርዋ። ዓድ ንሱር ምክፍፋል ካብ ኮነ ንሕና ብዙሓት ኢና እዚ ሺተል ኣይኣኽለናን ወሰን ንወጽእ ቢሎም ኣብ’ዚ ሎሚ ዘለውዎ ቦታ ተቀመጡ።  እዚ ከምዚ ከሎ ዓድ አረይ ወድ ደንገር ካብ ዓድ አረይ ስምጥ ንሱር ተፈሊዮም ንማይ ክቀርበልና ቢሎም ኣብ ዓድ አረይ ገንኦ ተቀመጡ።

ሕመድ አረይ እዚ ክገብረ ሓምታዝበቍሎ መሬትና እዩ ይብል ነበረ። እዚ ከምዚ ከሎ ካብ ብሌን ሓጎስ ገርዛን ትኵሩራይ ሓመድናካን መጺኦም ምሳኻ ክንቅመጥ ምስ በልዎ ንሱ ኣብ’ዚ ቀሮትነጃር ኣፍቀደሎም።ባይቶ ሕመድ አረይ ዝነበሩ ዓበይቲ እዞም ዝኽተሉ ነበሩ፡-

  1. በጋር  ዓሊ ወድ በሀመድ
  2. እድሪስ ወድ ብሀመድ ኣሽዋክ - ዓድ በየድ
  3. ዓሊ ወድ መሓመድ በጋር
  4. ኣድም ዓብደላ ወድ በሀመድ - ዓድ በየድ
  5. ቀጨጭ ኡኩት ወድ በየድ ወድ እድሪስ
  6. ሕመድ ፍካክ                               ዓድ ዘማት

ሕመድ አረይ እዚ ዝስዕብ ኅላይ ሓለየ

ንጋረትና እምፍደል መን ተምትማ እብእደ

ቁሽ ለምድር ዓድ ሕመድ ድመል ድሉኵ ለድገ

ፋቅፋቅ ለምድር ዓድ አረይ ዓብር ዲቡ ወደለ

ድመልና ርሳስታ ርሳስ ዓጭም ሰብር ወለዋለ

ድመልና ቦርለታ መን ሳፍያ እብ እደ

ነዳብጦም ኣክትበት አስክ ጎፎም እንደለ

ሕና ወበት አቡና ሰኔት ሕድ ኢንስኤ።

ፈረጅ ዕመር

ባህሊ

ምናዓምር

ንሓምድ ዘማትን በየድ ሕመድ ዓልበኪት ደጊያት ኃይሉን ተጻይ መርዕድ ክሕግዝዎ ለመኖም። በየድ ኣድሓርሒሩ ድሓር ግን ቶተል ተታሊሉ ኣተወ። ብልቡ ሰዓቦ። ሓምድ ግን ሕራይ ቢሉ ብምስጢር ምስ መርዕድ ተራኺቡ ዓዲ ንኣምን ምስ በጽሐ ብጎዳጕዲ ኩናት ከይኣተወ መለቈ። በየድ ግን ኣብ ኣኾራት ክዋጋእ ሞተ።

ድሕሪኡ በዚ ሰበብ ከረምቲ ዓድ ዘማት ኣብ ቀርዖበል መሪር ከልሕሱ ከለኡ ንከዝምቶም ኣምሓር ኣምጺኡ መጋርያኦም ኣርኢዩ ይተርፍ። በጋጣሚ ግና ዓድ ዘማትን ኣብ ባርባሮ ፍናን ዓልባናይ ኣብ መጋርያ ዓድ በየድ ለዊጦም ዓድ በይድን መጋርያ ዓድ ዘመት ኣብ ቀርዖበል ሓሊፎም ስለ ዝጸንሑ ተዘምቱ።

ሽዑ ዓድ በየድ ተዘሚቶም ምስ ከብቶም ምስዝ መጽእዎ ንስኹምከ እንታይ ክትገብሩ ኣብ ደምበ ዓድ ዘማት ትፀንሑ በሎም ይበሃል።

ወ/ስላሴ አነቢ

ባህሊ

በርቅ ሓደምበስ ካብ ባርያ ዘሚቱ ንሓጃ መሐመድ (ሀበረዳ) ተመርዓአ። ካብኣ ንነጊእ ወለደ። ነጊእ ንናድርን ንመናድርን ኣድኦም ቤት ብጀ ነበረት ከማኡ ንአብርሀ ኣዲኡ እዃራ ወለደ።

በርቅ ብርእሱ ዳውራይ ነበረ። እዚ ሓለገት ክሊት ንሱ ካብ በረኻ ዘምጽኦ እዩ። ኣሕዋቱ ፈሪሆም ምግባሩ እንኪኣብዩ ንሱ ንበይኑ ይገብሮ ነበረ። ካብኡ ንሱ ንበይኑ ኣብ ቦሳ ተቀመጠ።ደቂ ኣቦኡ ኦኣዲ ብሮት ብዋይዲብ ከዝምትዎ ተበገሱ። ንሱ ሰሚዑ ከብቱ ብተከና ኣውፈረን በዚ እቶም ዘመቲ ምስ ሰኣንወን ካብ ከረን ንወገን ቦጉ ዝወፈራ ከብቶም (ናይ ዓዲ ብሮት) ዘሚቶም ንበረኻኦም ከዱ። ዓዲ ብሮት ሽዑ ኣብ ከረን ኮፍ ቢሎም ዕሻሽ ናይ ዝተዘምታ ከብቲ በርቅ ክርእዩ ክቋመቱ ዝወዓሉ ምስ ረኣዩ ጽቡቅ ኮነ በሉ። ድሓር ግን ከብቶም ምስ ኮና ሰንበዱን በኸዩን።

ናድር ኃያል ስለ ዝነበረ ኣሕዋቱ ናብ ራእሲ ኣሉላ ከሰስዎ። ንሱ ድማ ናብ ዓደርደ ናብ ዘማት እኩት ተኸተሉ ነበረ። በዚ ደቂ ሓውቦኡ ከም ሲላ ከይገብሮም ፈሪሆም ለሚኖም መለስዎ። ሰበይቱ ጓል ጀቢብ ዕግብት ካብ ዓዲ ኵሉ ነበረት። ንሳ ምስኡ እናተሰደት ከላ ከምዚ ዝስዕብ ትደርፍ ነበረት።

ዲብላ ጋድም ዓደርደ

ድብ ከደን ንበደ

ቅድሚኡ እውን በዚ ገረዊት ስለ ዝጸንሑ ከምዚ በለት፡-

አፍ ገረዊት ዓንበረስያዅ

ኒንማ ሺተል ኵረፋዅ

ኣብ ሕንተተረ ገረዊት ብሌን ጥልያን ክወጽእ ኣብ ጥሙእ ይነብሩን ይሓርሱን ነበሩ። ካብ ኣብኡ ዝነበሩ ዓዲ ቡላ ዑቍባንስኤ ጃውጅ ኣብ ቅርጡጠት ንሓርስ ነበርና ይብል። ምስኦም እዞም ዓዲ ገርዓንታ ነበሩ። ካብኦም እኳ ብዓል ቢያኑ ኣስገዶም ሎሚ ከዓ ደቁ አደምን ኣድምን ሓማድንሓምደን ኣለዉ። በዚ መሰረት ኣብ ናይ ቀደም ዳመር በር ወድ ብያኑ ክሳብ ሎሚ ዝጽዋዕ ኣሎ። ብኣሰሩ እውን ሎሚ ኣብ ሺተል ግራት ኣለዎም።

ወልደስላሴ አነቢ

ባህሊ

ሞት ዓደርዓይ

ወራር ደቂ ተርቀ - ብሮት ኣብ መርዓ በርህ ረጢ ናብ ማርያ ቀይሕ  መርዓት ክወስዱ ውዒሎም ክምለሱ ከለዉ ገንደር እድሪስ (ዓደርዓይ) ተሪፍና ደም ዓድላን ገንደር ነደቅስ ቢሎም ዝኾነ እዩ።ኣብዚ ክልተ ካብ ደቂ ብሮት ዳመርን ገንደርን ደቂ እድሪስ፣ ካብ ደቂ እዙዝ መስመር ካብ እዳድን ወልዳ ወድ ወለታ ኣብኡ ሞቱ።

ድሓር ብከትሊ ንሊለት ዳመር ኣብ ነታብ ኣፍመላጸ ተኣቲያ ዝነበረት ዘኻትም ምስኣ ዓበዩ።

ጸኒሑ ከብቲ ናይ አረይ ናይ ጋብርን ወልደጋብርን ደቂ ዳመር ኣብ ባርካ ከባቢ ኮከን ባርያ ምስ ዘመትወን ንዓዲ ብሮት ርድኡና ምስ በልዎም ኣብይዎም፣ ሽዑ ናብ ወዲ ሊለት ምስ ኣርድኡ ምስኦም ረድኡ። ካብ’ዚ ታሕታይ ባርካ ክልተ ለይትን መዓልትን ተጓዒዞምወጺእና ቢሎም ሓንቲ ላም ሓሪዶም ማዲዮም ክበልዑ ምስ ተቀረቡ ብማዕዶ ወዲ ሊለት ርእዩ ንኣኦም ድሕሪት ሓዲጉ ንወረርቲ ከብቲ ዳመር ወድ እድሪስ ዘሚትኩም ትድሕኑዶ መሲልኩም ቢሉ እናጨርሐ ብፈረስ ምስ ዞሮም ካብ’ቲ ጥብሲ ከይበልዑ ሃደሙ። ሽዑ ኣርኪቦም ከብቶም ሒዞም ጠሚዮም ስለ ዝነበሩ ካብ ሥጋ ጓል ሐግዶ ቢሎም በሊዖም ድሓር በዚ ኣስለሙ።

ካብኡ ምስ ኣሕዋቶም ተጋዲቦም ስድራ ቤቶም ኣብ ከረን ከለዉ ኣብ ሓረት ጭንድቅ ከረሙ። ኣብ’ዚ ከለዉ ጨባዕ ኣኮኦም መይቱ ተሰኪሞም ኣብከረን ኣቅበርዎ።ካብኡ ኣሕዋቶም ምእንቲ ከየዝምትዎም ፈሪሆም ብሽማገለ ኣለሚኖም ንመተዓረቂ እዚ ኣብ ሳብራበጁ ዝርከብ መሬት ኣልኣሚንን ዓሊን ዝሓርስዎ ልዕሊ ግራት ዓዲ ልባብ ዘሎ ብሓደጋ ገባር ናይ ዓዲ ከዳ ዝነበረ ሂቦምዎም ብዚተዓርቁን ሓደሩን።

ኣስፈዳይ በየነ

ኣሸራ 1/13/82

ባህሊ

ሕመድ አረይ ነታባይ (ብጽርየት ደሙ) ንድግለል ጀላኒ (ንሓዉ - ነታባይ) ኣዲኡ ብሪቱ ክርስቲያን ስለ ዝነበረት ብዙሕ ይንዕቆን የዋርዶን ነበረ ይብሃል። ሰላም ክብሎ ከሎ ኣብ ክንዲ ብትግረ ዝዛረቦ ከመይ ሓዲርኩም ይብሎ።

ስለምንታይ ከምዚ ትብል ምስ በሎ ወዲ ብሪቱ እንታይ ሰብ ኢኻ ይብሎ። በዚ ጀልኒ ካብ ናትካ ሰብ ሰበይ ከምዝበዝሕን ከምዝሓይሽን ቢሉ ቤተ ሰብ ኣዲኡ ዝኾኑ ካብ ከበሳ ክሳብ ትግራይ ሰብ ጠለበ። በዚ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ሰብ መካዳ ሰብ ብረት ነፍጢ ሰብ ጕራደ ኣብ ዓቍርደት ተኣኪቦም መጺኦም ንዓቍርደት ኣጨነቁላ።

ካብዚ ንሕመድ አረይ ሕሙም ኢኻ ሓኪም ክትርአ ቢሎም መርፍእ ኣውጊኦም ንዓዱ ክምለስ ከሎ ኣብ ዳዕሮታይ ሞተ። ብቀውዒ ዝሞተ አውድ ናቱ ከየቋረጽ ሓጊዩ ብኣየት ወድአ። ኣብ’ዚ 300 ኣግማል ተሓርዳ ይብሃል። እዞም ናይ ቅጥቂጥ - ሺተል - ኣዛብእ ሽዑ እዮም ዝበዝሑ ።

ሰብ ከካብ ገቢለት ከብቲ የምጽእ ነበረ። በዚ ዓድ ሓደምበስ ገልሒት መንባ ኵላ ሰኒሒት የዎ ድቦ ተባህለ። ከማኡ ኩስታን ዘምተተና ብሌን ዘምተተና ወኵላ ከበሳ ዘምተተና አብ ኣምና ንዓ ርድኣና፣ ኢዘብጥ እባ ኵርባጁ ኢነቅም እባ ኣፉሁ የዎ ድቦ ቢለን ኣንስቲ የልቅሳ ነበራ ይብሃል።

ኣስፈዳይ በየነ

ኣስመራ 1989

Culture-History

ባህሊ

  ምንዓምር ቀደም ኣብ ዳመር ከለዉ ቍራዕ እትሰርሕ ብዘይካ ሓንቲ ሰበይቲ ኣይነበረን። ንሳ ሰሪሓ ብገመል ክትሸይጥ እንተኸደት ለውጡእኽሊ መሊኣ ትምለስ። ሒላብ ኣይጸርቡን ካብ ከረን ይገዝኡ ነበሩ።ሰኾና ዝብሃል (ዓብይ ሓምሓም) ነበሮም። ብኣኡ ይሰትዩ። ብዝተረፈ መስተዪኦም ሀውት ነበረ። ንደልሚ ዘጓፍ ቅድም ዒባ የስቲዩዎ። ድሓር ድማ ኣብ ክንዲ ህምቦይ ቅራፍ ጋባ የትዪዎ።

ስፈ ከምቲ መሬት ምስራሕ ዘፈልጡ ኣይፈልጡን። ቶፋ ኣምስራሕ ኣይፈልጡን ብሃወት ይሓቍኑ። መግቦም ዝበዝሕ ጸባ ነበረ ከመይ ኣይሓርሱን ነበሩ።

ኣብ ዓዶም ነታባይ መጺኡ ክቅመጥ ሕዋሩ ይተክል ኣብ ቅድሚኡ ዳስ ይገብሩሉ። ጋሻ መጺኡ ኣሎ ንዓዲ ኣውጁ ቢሉ ንሓደ ይነግር። ይእወጅ በብወገኖም ነፍሲ ወከፎም ሓሓሊቦም ጸባ የምጽኡ ይእከብ ድማ። ምስ ጨረሹ ብሓንሳእ ይሰትዩ። ገለ ገሸሺት (ገዓት) መዲደት ( ዝበዅዐ ገዓት) ኣይትገብሩልናንዶ ይብል። ካብ ናይ ኣግሪህ ብላዕሊ ይቅበል፣ ንፈርሱ ንደቁ እውን ኣብ ዓዓዲ ይመቅርሖም።

ንሱ ብወገኑ መንግስቲ እንተ ጠየቀ ብዝኾነ ይኽፋእ ይጸብቅዝምልሸሎም ንሱ እዩ። ወላ ኪሳራ ባዕሉ ይኽእሎ።

መሓመድ አረይ ምስ ሞተ ሰለስተ ወርኂ ኣውድ ናቱ ምስ ሀቦ ገበሩ። 70 ከብቲ ተሓርዳ 70 ዝኾና ተሰጣ ከምኡ 300 ኣግማል ተሓርዳ። ንሱ ተጠያቂ ናይ ምናዓምር ነበረ።

ሓምድ ፈረጅ ናይ ድግለል ጀላኒ ኣገልጋሊ ነበረ። በብቍሩብ ሥርዓት ምናዓምር ለመደ ካብኡ ኣስኮላ ኣቶ ድሓር ድማ እንዳ ሓሰኖ ንድግለል ይጸልኡ ስለ ዝነበሩ ስልጣን ክሕዝ ሓገዝዎ።

ካብ ንብረት ምናዓምር ዝበለጸ ገዛኦም (ኣግነት) እዩ። ዓራቶም መጀመርያ ከሸት ኣብ ልዕሊኡ ደንቃ ኣብ ልዕሊኡ ሰፈዲ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዓለጀት ይገብሩሉ።

ባሻይ አረይ ዓብደላ

ባህሊ

ነታብ

ነታብ ኣካን ላዅል ሓደርድኖ (ገእይድኖ) ጀረበነን ናቀልብሰነክ አር ብረዲ ወሳ ብረዲ ግንፊላ ብረዲ አዊል አረርሳዅን ይኖ ጓነኵ። ኒልድ አር ብሪል እንትኖ እንኤር አደረስ ይና ፍትሕ ግን ይኖ ኒ ኤርሲ ገቢስኖ ቁኑ ሰጘነኵ።

ወሳ ኣካንሊ እንተረነን ይኸ በጀኽረሪዲ ዋጅቢዲት ናአርደትልድ አድኖ ናሹሺ መንሕስቱኑለን ሰጘነኵ። ኒሰና ግንፊለል ሀቡኑ ሰጘነኵ። ናን ህምቡንትክ መወርስድኖ ጀረበነን ወሰልድር ግንፊለልድር እንናአደረስ ባርኖ ናላውድ ረቀብድረሪትክ ናሹስሺ አዱኑለን ሰጘነኵ። ሓገስተነን ይኸ ናአፍሩስዲ እንትኖ ገርደድኖ አዱኑለን ሰጘነኵ።

ኒልድ ናአዳም ክረን ኪዳ ቋሊውዲ መካናትዲት አስዩፍድ ጨረረሙኑ ሰጘነኵ። ናአርደት ና ምኺሩ እንከልግኒ ቀስብድ ግን ውረድ ተበባሑኵ ናድ ተበቡ ሰጘኵ።

እን ኒ ፈርዳ ኤር ዳግ ሹኮር በጭበጭሰው ዓቍጅእሩ ሰጘቲ። ኒልድ ኮዶ ውራ ሀቡ ሰጛዅን፣ ፍንጢረት በረኻላ እማ ፍሶ እስዲነ እንስኸስ ከትከድኖ ምክላትሊ ኤርዲ እወላ ዩ ሰጘኵ። እንዳኽር ሀቡኑ ሰጘነኵ።

ነታብዲ አስገደቁርዲ ለጛ ነሰብ ተካላን ሰጘነኵ። አስገደቁር ናጀሀትሊ ነጛ ነት በረኸትል ብረስ ድሂሱኑ ሰጘነኵ። ወንድናር ሰጘሎም ኣኽጊ ሒልድ ግን ናው ነሀቡኑ ሰጘናዅ። ህምቡንትክ ላዶን መሓቡስሊ ላ ግርዋ አስገደቁራ ምኺሩዅ ሰዃ ኒቍርዲ ሓበስቶ ቋልዅን።

ኒጛ ውራ ዮሰነሉ ከንቲባ ዕስማንሲ ኒእኽርድ አውድ አመረድ አመራ እንአስገደቍርዲ ህምበው ዓልያታ ማልድ እስቱ ሰጘኵ።  ንድኻ ላኳራ እናሓበስትኑዅ ይኑ ግጅነው ዓይለትሊ እንትኖ ጊሚላ መርሓይቲ አድኖ በረኽድኖ ጣምብኑዅ። ንር አደራይፋልኩም ኒሂቲ ሀበገና ይኖሰነሎማ ወንተርኖ ኒ ፈራዕድ ድዊነ ከንቲባ ዕስማንድቁር እንትኖ ጊሚለት ደንጎብኑዅ። እናነወያ ንብረትሲ ዕንጠርኖ ዓለይድኖ ተርይኑዅ። አስገደቁር ይኸ ናት እንገት ንብረት ሻኽገው ሜሪትል ከሰስኖ ሻኺስንዅሎም። ማለት ሓደኖኻ ሱዳን ፈሩኑ አርንዅንሎም ይኖ ማሕከመትድ ሓብበሲስኑዅሎም።

ናን እንግሊዚ ወክትሊ እንምኺሩ መሀርስኖሰና እና ፍትሕ ኒስ ነጨግኑዅሉ ኣማ ና ከውሲ እክብኖ ሓለይኑዅ።

አሰናይ ምስል ሓለብና ምሰ ንዋይ ክምዔራ፣

አሰናይማ ምስል ዓሸርና ልዔ ወእድን ማቴላ፣

ኣሰናይማ ምስል ሓረስና ሽዕር ወግንቦ ማሸላ፣

ለፍርድማ ፍርድ በልሰዩ ክም ለብልሰት እንጌራ²፣

ዲብና ምትሓዜ ሀለት ቤት አስገደ ወንጌላ፣

ሎሃታ ቤት ዓሊ እትሓረባ ለቤላ።

ስልማን አሻል

ባህሊ

ወራር ብባርካ

ብዘመቻ አልገደን ካብ ቦጉ ብቀውዒ ኣብ ግራውቶም ቂሾት ወጺኦም ከለዉ፡-

ጀወት ጋብር - አድከመ ኣደ ከሸዋይን ዓብደላ ወራርን ኣብ እተዘምቱሉ ጊዜ ኣብ ጊፍ ሳብር ሰግግላስ ኣጸጊዖምዎም ሓደሩ።

ሽዑ ኣስፈዳይን ሓጎስን ምስ ስድራኦም ኣብ’ዚ ጢሉ ሎሚ ዓዲ ዓምር ዘለዉዎ ግራቶም ካብ ጽላለ ቂሾት ወጺኦም ጸንሑ። ብጽብሓት ብንግሆ ዘመቲ ክመጹ ሓጎስ ኣብ ነኸርዳ ከብቲ ክሕሉ ዝሓደረ ክመጽእ ተረኽበ፣ ከማኡ ኣስፈዳይ ኣብ ጥቃ ገዛ ኣብ ግራት ጸንሐ ምስኡ ዝጸንሑ ክሃድሙ፡-

ሰበይቱ አረይት ንናይርን ሓዚላ ንደበናን ታቲያ ናውድ ብእግሩ ይኸይድ ነበረ፤ ሰይቲ ሓጎስ ንሓደ ቈልዓን ሓዚላ ንሓደን ታቲያ ነጋሲ ባግሩ ይኸይድ ነበረ።

ኣብ ወገን እዚ ሎሚ ወድ በድገት ዝብሃል ምስ ተጸግዑ ሓጎስ እናጨርሐ ምስ መጾም ሓዲጎምዎም ተመልሱ። ሰይቲ ሓጎስ ግን ኣብ መንገዲ ደኺማ ምስ ክልተ ደቃ ተጸጊዓ ዝነበረት ተማሊኦምዋ ከዱ።

ሽዑ ኣብ ባሪኖ ንሓምድ ኤሎስ ቀተልዎ። ነቶም ዝረዘምቱ ኣቡነ ዮሓንስ መለሶም።

ሽዑ ጀወት ሰይቲ ጋብር እውን ንሓደ ዓብደላ ወራር ዝተባህለ ካብ ዘይትፈልጦ ወለደት፣ ንከሸዋይ ድማ ካብ ፋይዶም ባርያይ ወሊዳ ሒዛቶምተመልሰት።

ምስ ሰይቲ ሓጎስ ተታቲያ  ከይዳ ዝነበረት (ከሳይል ድሓር ናብ ኣቶ ከልብ -መቱ ተመርዓወት ) ቈልዓ ተመልሰት። ሰይቲ ሓጎስን ምስኣ ተታሒዙ ከይደኡ ዝነበረ ገቢልን ግን ኣይተመልሱን።

ንኣቡነ ዮሓንስ ብሙያኡ ሰብ ስለ ዘድሓነ ታብ ለከማዅ በሓርልድ ይስቱዅ። ደላሊብድ (ሰቀጠው) ወዲ ዓዲ ዝኾነ እንተርእዮም ምእንቲ ከምጽእዎም ገንዘብ ይህቦም ነበረ። ነቲ ሒዝዎምዝጸንሐ እውን ምእንቲ ክለቆም ገንዘብ ይወሃቦ ነበረ። በዚ ብዘይካ እቶም ብሓደ ብቍንስል ዘምለሶም ንካልኦት ብዙሓት ኣብ ባርካ ተበታቲኖም ተሪፎም ንዝነበሩ’ውን ከምዝመልሰ ይፍለጥ።

(እዚ ወራር እዚ መጽሓፍቲ ኣንቢበ ብዝገበርኩዎ ትንተና መሰረት ብ1862 ዝኾነ እዩ)

ኣስፈዳይ በየነ

History

 

ሐምደ ራኪ አድግ ዘርኢት ኣብ ውግእ ዓቍርደት ዓንጻር ደርዊሽ ከማኡ ኣብ ዓድዋን ዝወዓለ ሓልያይ ከምዝነበረ ይንገር።

ንሱ ካብ ሕላያቱ ሐደ ኤሎስን ክፍሎምን ኣሕዋት ከለዉ ብሕነ እናተቃተሉ 12 ስለ ዝበጽሑ ኤሎስ ወክፍሎም ቅሩብ እንታ ተራየመት ዝብል ሕላይ ኣለዎ ከማኡ ንነፍሱ ከምዚ በለ ይብሃል፡-

ኣጊድ አክበኒ ሞላየ ለዓዳየ እንደ ኢመነኒ

ሐመኒ ሀላ ገሮብየ ወረኣሽየቱ ቀትለኒ፣

እብሰነት ንስኣኒ ሞላየ ለዓዳየ እንደ ኢወነኒ፣

ሰኒ ዓልካቱ ወሰኒ ትመየካ እንደ ትከልኣኒ፣

ኢመይት ወኢሓየ በዓላቤትየማ ሚኢትብለኒ፣

ወፋንጉሕ ዓምዕላ ኣኼራ እት እሳት ኣምበል ከረኒ፣

እባ ኖሼ ኣምራ ወእባ ካህን ለልብለኒ፣

ለእኪት ድበ ኣምራቱ ለሥጋየ እንዳትሓይለኒ፣

ኖሽኪቱ ነፍስየ እንቲ ወለሞላይኪ፣

በለ ይብሃል

ዑቍባስላሴ ዓሊ

 

ሕላይ ሕመድ ኣተሩ ዕተል ስልማን ዝነገረኒ  ምናዓምራይ ዝበሎ

                   I.      ምርባዓት ልጝ ባሻይ በርዳ ዲብየ ጥላላ፣

ቤት አስገደ ወነታብ ኦሮ ሓግለት ድቃላ፣

ሽመት ለደብር ኢትዕረግ ምን ለሰብ ሓላላ፣

እናስ ሰኒ ለገብኣ ሓጎስ ወድ ተምነዎ ወታላ፣

ጋባት ወአከሪት ኵለን ለሕበር ደረራ፣

ወድ ኃይለመለኮት ለሽመት ለፍትሓ ወዳ እላ።

ምርባዓት ናይ ባሻይ ገብረ ቅዱስ እዩ። ከምኡ መበሊኡ ቤት አስገደን ነታብን ምስ ካልእ ዝዓሌቶም ስለ ዘይዋሰቡ ዝነበሩ ሓያላት ብዘይ ኣሰር ክጠፍኡ ስለ ዝረኣየ ኣስጎንጕኑ እዩ።

                 II.      ንጉሥማ ሠኒ አደጋ ገበይ እንዳ ነተቅብል2

ሽመት ለደብር ኢዕረግ ወለሓጭ ጭገር ኢተብቅል፣

ዳርካ ህመድ ወድ ሙሳ ካፈለቱ መመስል፣

ቀረውየት መንሱራ ጋዶቱ ወመስተንክር፣

እትሸዋረት ፈረሱ ባህመድቱ በለው መቀትል።

 

                III.      ሌሊት በርቅ ኢሰክባ ከበሳይት ለለዓሉ፣

ሰሩ ለፈዳብ ወዳዩ እትማል ጸሩ ድራሩ፣

ሰሩ ለሓዋን ወደዩ እት ረቢቱ ለድራሩ፣

ሌሊት ለበርቅ ኢሰክባ ከበሳይት ለለዓሉ፣

ሰሩ ለዓጣል ሀበዩ ለከልማ ዓሳሩ፣

ወሰሩ እንሳ ሀበዩ ከጣብጥ ሀላ ሓሳሉ፣

ወሰሩ ለኣሓ ሀበዩ ከዳይዲ ሀላ ኣጓሉ፣

ሌሊት ለበቅ ኢሰክባከበሳይት ለለዓሉ2

ዓድ ለለሀይ በርካቱ በርካ ለይ ታሓቱ፣

ሰሩ ለሐለንጋይ ክፉልቱ ሰሩ እብሚ ካፈላ።

 

ነዚ ዝበለ ጊዜ ዝለውጦ ምስ ተመልከተ ኣስተንቲኑ ዝበሎ እዩ።

ካልእ

ሕላይ ምናዓምሩዅ ደገመው

                   I.      ዎ ድመልናዲ እኩይቱ፣ ድመልናዲ እኩይቱ፣ ድመልናዲ እኩይቱ፣ እንደደማ ኢሰተ፣ ድመልናዲ እኩይቱ2፣ ምን ውላዱ ልትፈንተ፣ ድመልናዲ እኩይቱ አከይ ሐበን ኢፈተ፣ ድመልናዲ እኩይቱ ምን ኣጅፋሉ ልትፈንተ፣ ድመልናዲ እኩይቱ እግል ኣባይ ልትገሰ፣ ድመልናዲ እኩይቱ ለሐዋኒት ኢፈተ፣ድመልናዲ እኩይቱ ድመልናዲ እኩይቱ እሳት በኑ ልትከረ፣ ድመልና ለሸረክቱ ለአባይ ልትገሰ፣ ድማልናዲ አብ ዓሸራቱ ለዓጭሞታት ልፈንተ፣ ድመልናዲ እኩይቱ እንደ ጠምዓ ኢሰተ፣ ድመልናዲ እኩይቱ እንደሰፍራ ኢአተ፣ድመልናዲ እኩይቱ ድመልናዲ እኩይቱ ለሓዋኒት ኢፈተ፣ ድመልና ቀጠጦቱ እንዳ ጠብጣ ኢፈንተ፣ድመልና ለቀጠጦቱ እንዳጠብጣ ኢፈንተ፣ድመልናዲ እኩይቱ ድመልናዲ እኩይቱ እንደሰካ ኢአተ፣ ሰነትዲ ወደካ ምንገብእ መለሀይ ንዓ ንትገሰ፣ ንትገሰ ምንድ ኢትብል ዳር ሕድቱ ለበደ፣ ሐዋኒት ምን ተሐደሕናማ ኢንትገሰ፣ ሰመራታት በጣሕና ሰርና ዓድዃላቱ ልትዓደ፣ ንትገሰቱ ምን ትብል እግል ውላድ ሕድ ንግመ፣ ንትገሰቱ ምን ትብል እግል ሓዋኒት ኢንትገሰ፡ ንትበኣስቱ ምን ገብእ ንትበኣስቱ በኣስ ኢንሓደ፣ በኣስናቱ ምን ገብእ ዳራትናቱ ልበደ፣ ኣስመራታት ከየድና ምን ውላድናቱ ንትፈንተ፣ ኣስመራታት ከረና ኢማይናቱ ንሰተ፣ ንትገሰቱ ምን ትብል እብ ሐበን ንትገሰ።

                 II.      ዎ ምን ተሐት ለሕሊል በሰስና፣

ሰማ ኤበት እት ሊካ፣

ጅንጉላይት አሲር ቦላ ቀጢን ወሪዳ፣

ከካራ ላታ ሸዋሪብ ከፎ ልውዕል ምን ሂጋ።

ኣሓና ሰቦት መተባ2 ጎባይ ረኣስ ክላሉ

ወወላዲ በቅል ሰማዕናሁ።

ዕተል ስልማን

 

No comments:

Post a Comment